Fana: At a Speed of Life!

ዛምቢያ ኣብ ዓውዲታት ቴሌኮሙኒኬሸን፣ ቱሪዝምን ቆርበትን ምስ ኢትዮጵያ ክትሰርሕ ከምትደሊ ገሊፃ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ለካቲት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ዛምቢያ ኣብ ዓውዲታት ቴሌኮሙኒኬሸን፣ ቱሪዝምን ቆርበትን ምስ ኢትዮጵያ ክትሰርሕ ከምትደሊ ሚኒስትር ቴክኖሎጂን ሳይንስን እታ ሃገር ፍሌሲ ሙታቲ ገሊፆም፡፡

“ኢትዮጵያ ኣብ መሰረተ ልምዓት ቴሌኮሙኒኬሸን ካብ ዛምቢያ ብዝበለፀ ደረጃ ስለትርከብ ኣብቲ ዓውዲ ልምዲን ፍልጠትን ንምዕዳግ ፅኑዕ ድሌት ኣለና” ክብሉ ብኣፅንኦት ገሊፆም እቶም ሚኒስትር፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ ክልቲአን ሃገራት ዓሚቕ ዓቕሚ ቱሪዝም ከምዘለወን ብምግላፅ÷ ኣብቲ ዓውዲ ልምዲን ፍልጠትን ብምልውዋጥ ብሓባር ምስራሕ ከምዘኽእለን ምግላፆም ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡

ኢትዮጵያ ኣብ ውፅኢታት ቆርበት ዕዉታት ተግባራት እናወገነት ከምዝኾነት ዘመላኸቱ እቶም ሚኒስትር÷ ዛምቢያ ኣብዚ ጉዳይ ብሓባር ክትሰርሕ ከምትደሊ ገሊፆም፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.