Fana: At a Speed of Life!

ብወገን ሶማሊያ ዝተውሃበ መግለፂ ዝተሰሓሓተ ኢዩ – ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ለካቲት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ብወገን ሶማሊያ ዝተውሃበ መግለፂ ብካልኦት መራሕቲ ተሳተፍቲ ሃገራት ሕብረት ኣፍሪካ እንተይተረፈ ተቐባልነት ዘይረኸበን ዝተሰሓሓተን ከምዝኾነ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ፌዴሪኢ ኣፍሊጡ።

ኣቐባሊ ቃል ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር መለስ ኣለም (ዶ/ር) ሎሚ ኣብ ዝሃቡዎ መግለፂ÷ ምስ ፕሬዚዳንት ሶማሊያ ተተሓሒዞም ዝተርኣዩ ጉዳያት ኣብሪሆም፡፡

በዚ ድማ ከም ኣሰነዳኢት ሃገር ኢትዮጵያ ናይ ኩለን ሃገራትን መንግስታትን መራሕቲ ኣብ ፃንሒቶም ድሕንነቶም ናይ ምሕለው ሓላፍነት ከምዘለዋ ኣገንዚቦም፡፡

ይኹን እምበር ፕሬዚዳት ሶማሊያ ብመንግስቲ ዝተመደቡሎም ኣካላት ፀፅታ ኣይቅበልን ከምዝበሉ ኣምባሳደር መለስ ኣብሪሆም፡፡

እዚ ኣሰራርሓ ኣብ መላ ዓለም ዝተለመደ ከምዝኾነ ብምሕባር÷ “ብወገን ልኡኽ ሶማሊያ ዝኾነ ግን ካብዚ ተፃራሪ ኢዩ” ኢሎም።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ናብ ኣኼባ ሕብረት ኣፍሪካ ንዝመፅኡ ኩሎም መራሕቲ ሃገራትን መንግስታትን ዝገበሮ ናይ ክብሪ ኣቀባብላ ንፕሬዚዳንት ሶማሊያ ከምዝገበረ እውን ኣፍሊጦም፡፡

“ልዕሊ እዚ ግን ኣባላት ድሕንነት ልኡኽ ሶማሊያ ጦር መሳርሒ ተዓጢቖም ናብ ሕብረት ኣፍሪካ ንምእታው እንትፍትኑ ብኣካላት ፀፅታ እቲ ሕብረት ተኸልኪሎም ኢዮም” ኢሎም፡፡

እዚ ድማ ንኣካላት ፀፅታ እቲ ሕብረቱን ዝምልከት እምበር ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዘራኽቦ ነገር ከምዘየለ ኣብ መብርሂኦም ገሊፆም፡፡

ብወገን ሶማሊያ ዝተውሃበ መግለፂ ብካልኦት መራሕቲ ተሳተፍቲ ሃገራት ሕብረት ኣፍሪካ እንተይተረፈ ተቐባልነት ዘይረኸበን ዝተሰሓሓተን ከምዝኾነ ኣምባሳደር መለስ ኣብሪሆም፡፡

ብመራኦል ከድር

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.