Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ዓለም ለኸ ትካላት ፋይናንስ ዘሎ ኢ-ፍትሓዊ ኣሰራርሓ ህፁፅ መፍትሒ ዝጠልብ ኢዩ- ፕሬዚዳንት ብራዚል

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ለካቲት፣ 2016(ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዓለም ለኸ ትካላት ፋይናንስ ዘሎ ኢ-ፍትሓዊ ኣሰራርሓ ህፁፅ መፍትሒ ዝጠልብ ኢዩ ከብሉ ፕሬዚዳንት ብራዚል ሉላ ዳ ሲልቫ ገሊፆም።

እቶም ፕሬዚዳንት ኣብ ስነ ሰርዓት መኽፈቲ መበል 37 ስሩዕ ጉባኤ ሕብረት ኣፍሪካ ኣብ ዝገበርዎ መደረ፥ ከም ባንኪ ዓለምን ኣይ ኤም ኤፍን ዝበላ ትካላት ኣብ ምዕባይ ንዝርከባ ሃገራት ዘቕርብኡ ኣሰራርሓ ልቓሕ ተለቃሕቲ ሃገራት ብዝልውጥ መገዲ ክኸውን ኣለዎ ኢሎም።

ኣፍሪካ ኣብ ካልኦት ዓለም ለኸ ትካላት ዘለዋ ውክልና ኣብ ፅዕንቶ ንክትኣቲ ዝገብር ኢዩ ብምባል፥ 54 ሃገራት ዝሓዘት ኣህጉር ዝግበኣ ረብሓ ነክትረክብ ህፁፅ ፃዕሪ የድሊ ክብሉ ተዛሪቦም።

ብኣሸናፊ ሽብሩ

 

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.