Fana: At a Speed of Life!

ብርሃኑ ነጋ (ፕ/ር) ምስ ሓጋዚት ዳይሬክተር ጀኔራል ዓውዲ ትምህርቲ ዩኔስኮ ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ለካቲት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስትር ትምህርቲ ብርሃኑ ነጋ (ፕ/ር) ምስ ሓጋዚት ዳይሬክተር ጀኔራል ዓውዲ ትምህርቲ ትካል ትምህርቲ፣ ሳይንስን ባህሊን ውድብ ሕቡራት መንግስታት (ዩኔስኮ) ስቴፋኒያ ጃኒኒ ተዛቲዮም።

እቲ ዘተ፥ ዓውዲ ትምህርቲ ብዲጂታል ቴክኖሎጂ ንምድጋፍ ብሓባር ምስራሕ ኣብ ዝከኣለሎም ጉዳያት ዘድሀበ ከምዝኾነ ተገሊፁ፡፡

ብርሃኑ ነጋ (ፕ/ር)÷ ስርዓት ትምህርቲ ብዲጂታል ቴክኖሎጂ ንምድጋፍን ንምዝማንን እናተገበሩ ዝርከቡ ፃዕሪታት ኣመልኪቶም መብርሂ ሂቦም።

ንኣብነት ድማ መውፅኢ ፈተና ተምሃሮ ቅድመ ምረቓ ብኦንላይን እናተውሃበ ከምዝኾነ ኣብሪሆም፡፡

ብሄራዊ መልቀቒ ፈተና 12 ክፍሊ ካብ ምቅዳሕን ስርቂን ንምክልኻል ብኦንላይን ንምሃብን ኩሉ ዓይነት ሓበሬታ ትምህርቲ ናብ ዲጂታል ንምልዋጥ ዝተጀመሩ ስራሕቲ ከምዘለዉ ገሊፆም፡፡

ዩኔስኮ እታወታት ኣብ ምምላእ ሓገዝ ንኽገብር ምሕታቶም ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ስቴፋኒያ ጃኒኒ ብግደአን፥ ዩኔስኮ ኣብ ኢትዮጵያ ዓውዲ ትምህርቲ ንምድንፋዕ ፅሬት ትምህርቲ ንምሕላው ትገብሮ ፃዕሪ እናደገፈ ከምዝኾነ ገሊፀን።

ኣብ ቀፃሊ ድማ እቲ ሓገዝ ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል ተዛሪበን።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.