Fana: At a Speed of Life!

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ(ዶ/ር) ንኘሬዚዳንት ብራዚል ሉላ ዳ ሲልቫ ኣቀባብላ ገይረሙሎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ለካቲት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብ ቤት ፅሕፈቶም ኣብ ዝተኻየደ ዕላዊ ስነስርዓት ኣቀባብላ ኣብ ኢትዮጵያ ዕላዊ ዑደት እናገበሩ ንዝርከቡ ኘሬዚዳንት ብራዚል ሉላ ዳ ሲልቫ ኣቀባብላ ገይረሙሎም።

ኣብ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ከምዝገልፆ፥ ልዕሊ 60 ዓመታት ዝፀንሐ ዲፕሎማሲያዊ ርክብ ኢትዮጵያን ብራዚልን ቀንዲ ትሕዝቱኡ ንግዲ ኢዩ።

እቶም መራሕቲ፥ ርክብ ኢትዮጵያን ብራዚልን ናብ ዝለዓለ ብርኪ ንምብፃሕን ዝፀንዐ ምሕዝነት ብዝበለፀ ንምጥንኻርን ዝከኣለሉ ኩነታት ንምፍጣር ዝዓለመ ልዝብ ገይሮም።

ንክብሪ ፕሬዚዳንት ሉላ ደ ሲልቫ ድሕሪ ዝተሰናደአ እንግዶት ምሳሕ፥ ክልቲኦም መራሕቲ ንሓለዋ ከባቢ ዘለዎም ቆራፅነት ብዘንባርቕ ኢሉ እውን ንባህሊ ቡን ዘለዎም ሓበራዊ ናእዳ ብዘርኢ ኩነታት ኣብ ፓርክ ሓድነት ፈልሲታት ቡን ተኺሎም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.