Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ከተማታት ዲላን ወላይታ ሶዶን ህዝባዊ ዘተ ይካየድ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ለካቲት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ደቡብ ምዕራብ ሀዝብታት ኢትዮጵያ ከተማታት ዲላን ወላይታ ሶዶን ህዝባዊ ዘተ ይካየድ ኣሎ።

እቲ መድረኽ፥ “ህብረ ብሄራዊ ሕውነት ንዘላቒ ሰላምን ኩለ መዳይ ምዕባለን” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኢዩ ዝሳለጥ ዘሎ።

ኣብ ከተማ ዲላ ኣብ ዝሳለጥ ዘሎ መድረኽ ዘተ፥ ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ክልል ደቡብ ኢትዮጵያ ተስፋዬ ይገዙ፣ ሓላፊ ቅርንጫፍ  ቤት ፅሕፈት ፓርቲ ብልፅግና ክልል ኣምሓራ ይርጋ ሲሳይን ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲን ተረኺቦም።

ኣይተ ይርጋ፥ ሕውነትን ሓድነትን ህዝብታት ብሓበራዊ ፃዕሪ ንቕድሚት ክግስግስ ኢዩ ኢሎም።

ሓደ እንተኾይንናን እንተተሓባቢርናን ተግባራት ልምዓት ናብ እንደሊዮ ብርኪ ክነብፅሖ ኢና ኢሎም።

ኢትዮጵያ ብውሽጥን ደገን ብፈተንቲ ኩነታት ትሓልፍ ዘላ ኢያ ዝበሉ ኣይተ ተስፋዬ ይገዙ ብግደኦም፥ ነቲ ፀገን ብምፅዋር ንምሽጋር ተሳትፎ ዜጋታት ወሳኒ ኢዩ ኢሎም።

ብኣሸብር ካሳሁንን ኣበበች ኬሻሞን

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.