Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ኣልሸባብ ኣብ ሶማሊያ ብዘብፀሖ ጉድኣት ዝተሰመዓ ሓዘን ገሊፃ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ለካቲት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ኣልሸባብ ኣብ ልዕሊ ሶማሊያ ብዘብፀሖ ጉድኣት ዝተሰመዓ መሪር ሓዘን ንህዝቢን መንግስቲን እታ ሃገር ገሊፃ።

ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር ታዬ ኣፅቀስላሴ ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ÷ ግብረ ራዕዲ ኣልሸባብ ኣብዚ ሰሙን ኣብ ልዕሊ ሶማሊያ ብዝፈፀሞ መጥቃዕቲ ግብረ ራዕዲ ብዝበፅሐ ጉድኣት ኢትዮጵያ ከምዝሓዘነት ኣፍሊጦም፡፡

ምኽንያት መጥቃዕቲ እቲ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ዝበፅሐ ምጥፋእ ህይወት ሰብን ጉድኣት ኣካልን መንግስቲን ህዝቢን ኢትዮጵያ መሪር ሓዘን ከምዝተሰመዖም ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ ገሊፆም።

ኣብ እዋን ልምምድ ወታደራዊ መኮንናት ዒላማ ብምግባር ዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ተግባር ገበን ኢዩ ዝበሉ እቶም ሚኒስትር፤ ኢትዮጵያ ነዚ ተግባር ገበን ኣጥቢቓ ከምትኹንኖ ኣብሪሆም።

እቲ መጥቃዕቲ ኣልሸባብ ኣብ ልዕሊ ሶማሊያን እቲ ክፍለ ኣህጉርን ሓደጋ ድሕንነት ከምዘንፀላለወ ብግልፂ ዘረጋገፀ ከምዝኾነ ብምሕባር፥ ሃጋራት እቲ ከባቢ ኣብ ልዕሊ ፀረ ግዕዝይና ዝገብረኦ ምትሕብባር ከጠናኽራ ከምዝግባእ ዘመላኽት ከምዝኾነ ምግላፆም ካብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.