Fana: At a Speed of Life!

ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ ብሰላም ንክዛዘም እኹል ምድላው ብምግባር ናብ ስራሕ ከምዝኣተወ ሓበራዊ ግብረ ሓይሊ ፀፅታን ድሕንነትን ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ለካቲት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)መበል 37 ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካን መበል 44 ስሩዕ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ኣፈፀምቲ ስራሕን ብሰላም ንክዛዘም እኹል ምድላው ብምግባር ናብ ስራሕ ከምዝኣተወ ሓበራዊ ግብረ ሓይሊ ፀፅታን ድሕንነትን ኣፍሊጡ።

እቲ ግብረ-ሓይሊ ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ÷ ብብርኪ ሃገር ለኸ ዝተወገኑ ስራሕቲ ፀፅታ ዕዉታት ከምዝኹኑ ገሊፆም፡፡

ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ ብሰላም ንክዛዘም ሓይሊ ፀፅታ ብምውፋር ብቴክኖሎጂ ዝተሓገዘ ስራሕቲ ፀፅታን ድሕንነትን እናወገነ ከምዝርከብ ኣፍሊጡ፡፡

ፖሊስ ፌደራልን ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ዝተዋደደ ኦፕሬሽን ከምኡ እውን ተሳትፍ ሕብረተሰብ ሰላም እታ ከተማ ዘተኣማምን ንኽኸውን ልዑል ኣስተዋፅኦ ከምዘበርክት ተሓቢሩ፡፡

ኣዲስ ኣበባ መቐመጢት ሕብረት ኣፍሪካን ዝተፈላለዩ ዓለም ለኸ ትካላትን ስለዝኾነት÷ ሰላማዊት ኮይና ንኽትቅፅል እቲ ግብረ ሓይሊ ካብ ማንም እዋን ንላዕሊ ልዑል ትኹረት ብመሃብ እናርሐ ከምዝዝርከብ ተላዒሉ፡፡

ብኢትዮጵያዊ ባህሊ ኣጋይሽ ብምትእንጋድን ኣብ ዝኾነ ይኹን ምንቅስቓስ ተሓባባሪ ኣብ ምዃን ህዝቢ ዝገብሮ ዝተለመደ ምትሕብባር ኣጠናኺሩ ንኽቕፅል እቲ ሓበራዊ ግብረ ሓይሊ ፀዊዑ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.