Fana: At a Speed of Life!

ንምርግጋፅ ዘላቒ ሰላም ፈተናታት ብሓባር ምስዓር ትፅቢት ይግበር-ኣይተ ኣረጋ ከበደ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ለካቲት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ንምርግጋፅ ዘላቒ ሰላም ፈተናታት ብሓባር ምስዓር ትፅቢት ይግበር ክብሉ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኣምሓራ ኣይተ ኣረጋ ከበደ ገሊፆም።

ኣብ 20 ከተማታት ክልል ኦሮሚያ፥ “ሕብረ ብሄራዊ ሕውነት ንዘላቒ ሰላምን ኩለ መዳያዊ ምዕባለን” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ሀዝባዊ ዘተ ተሳሊጡ።

ኣብ ከተማ ኣዳማ ኣብ ዝተሳለጠ መድረኽ ዝተረኸቡ ኣይተ ኣረጋ ሓዊሱ፥ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኦሮሚያ ኣይተ ሽመልስ ኣብዲሳን ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ፌዴራልን ክልልን ተረኺቦም።

ርእሰ ምምሕዳር ኣረጋ ከበደ፥ ንምርግጋፅ ዘላቒ ሰላም ፈተናታት ብሓባር ምስዓር ትፅቢት ይግበር ኢሎም።

መንግስቲ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ዘጋጠሙ ፀገማት ፀፅታ ብምፍታሕ ዝተጀመረ ለምዓት ንምቕፃል ጠመተ ሂቡ ክሰርሕ ኢዩ ኢሎም።

በቢብርኩ ዘጋጥሙ ፈተናታት ብሓባርን ብምውዳድን ምምካት ከምዘድሊ እውን ተዛሪቦም።

ኣይተ ሽመልስ ብግደኦም፥ መሰረት ዓወታትና ተሳትፎን ሓድነትን ህዝቢ ኢዩ ምባሎም ኣብ ቤት ፅሕፈት ቅርንጫፍ ብልፅግና እቲ ክልል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.