Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ምምሕዳር ከተማ ሸገር ኣብ እዋናዊ ዛዕባ ጠመተ ዝገበረ ህዝባዊ ዘተ ይሳለጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ለካቲት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ) ኣብ ምምሕዳር ከተማ ሸገር ኣብ እዋናዊ ዛዕባ ጠመተ ዝገበረ ህዝባዊ ዘተ ይሳለጥ ኣሎ።

ኣብቲ መድረኽ፥ ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኦሮሚያ ኣወሉ ኣብዲ፣ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ደቡብ ኢትዮጵያ ጥላሁን ከበደ፣ ሚኒስትር ኢንዱስትሪ መላኩ ኣለበል፣ ከንቲባ እታ ከተማ ተሾመ ኣዱኛ(ዶ/ር)ን ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ፌዴራልን ክልልን ተረኺቦም።

ህዝቢ ዘልዕሎም ሕቶታት ልምዓትን ሰናይ ምምሕዳርን ብምግንዛብ ንምፍታሕ ከምኡውን ህብረ ብሄራዊ ሕውነትን ሃገራዊ ሓድነትን ንምጥናኻር ዝሕግዝ መድረኽ ኢዩ ተባሂሉ።

ብተወሳኺ ህዝቢ፥ ክሳብ ሐዚ ዝተመዝገቡ ዓወታት ተጠናኺሮም ንክቕፅሉን ካብ ድሑር ፖለቲካ ክርሕቕን ዘኽእል ዘተ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

እቲ መድረኽ፥ ‘’ህብረ ብሄራዊ ሕውነት ንዘላቒ ሰላምን ኩለ መዳይ ምዕባለን’’ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ዘለዎ ኢዩ።

ብኣዳነች ኣበበ፣ መሳፍንት እያዩን ዘረዓያዕቆብ ያዕቆብን

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.