Fana: At a Speed of Life!

ስነ ስርዓት ምረቓ ሙዚየም ዝኽሪ ዓወት ዓድዋ ስዒቡ ንተሽከርከርቲ ዕፁዋት ዝኾኑ መገዲታት ዕላዊ ኮይኖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ለካቲት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)3 ለካቲት 2016 ዓ.ም ዝካየድ ስነ ስርዓት ምረቓ ሙዚየም ዝኽሪ ዓወት ዓድዋ ስዒቡ ኣብቲ ዕለት ካብ ሰዓት 6 ጀሚሮም ንተሽከርከርቲ ዕፁዋት ዝኾኑ መገዲታት ዕላዊ ኮይኖም።

ሓበራዊ ግብረ ሓይሊ ፀፅታን ድሕንነትን ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣበባ ካብ 3 ክሳብ 10 ለካቲት 2016 ዓ.ም ተተኣናግዶም ዝተፈላለዩ ፍፃመታት ብዓወት ንኽኽዝሙ ኣብ ትልሚ ፀፅታ ብምዝታይ ናብ ስራሕ ከምዝኣተወ ኣፍሊጡ።

መዳርግቲ ኣካላትን ሕብረተሰብን ዝተለመደ ምትሕብራር ንኽገብሩ እውን ፃውዒት ኣቕሪቡ።

3 ለካቲት 2016 ዓ.ም ዝተፈላለዩ ኣጋይሽን ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲን ኣብ ዝተረኸቡሉ ሓበራዊ ተረኽ ብዝበለፀ ዘድንፍዕ ሙዚየም ዝኽሪ ዓወት ዓድዋ ብድሙቕ ስነ-ስርዓት ብዝተፈላለዩ ምድላዋት ክምረቕ ኢዩ።

እቲ ስነ-ስርዓት ምረቓ ብሰላም ንኽውገን ሓበራዊ ግብረ ሓይሊ ፀፅታን ድሕንነትን 27 ጥሪ 2016 ዓ.ም ኣብ ኣዳራሽ ሰላም ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ተዛቲዩ።

ኣብቲ መድረኽ ዘተ ኣካላት ሰራዊት ምክልኻል ሃገር፣ ፖሊስ ፌዴራል፣ ብሄራዊ ግልጋሎት ሓበሬታን ድሕንነትን፣ ቢሮ ፀፅታን ሰላምን ከተማ ኣዲስ ኣበባ፣ ፖሊ ኣዲስ ኣበባ፣ ፖሊስ ከተማ ሸገርን ካልኦት ኣካላት ፀፅታን ተሳቲፎም።

ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ፌዴራልን ኣዲስ ኣበባን፣ ናይ ወፃኢ ሃገራት ኣጋይሽ፣ ዲፕሎማሰኛታት፣ ፍሉጣት ውልቀ ሰባትን ዕድመ ዝተገበረሎም ኣጋይሽን ኣብቲ ስነ-ስርዓት ምረቓ ክርከቡ ኢዮም።

እቲ ስነ ስርዓት ምረቓ ስዒቡ ኣብቲ ዕለት ምጭንናቕ ትራፊክ ከየጋጥም ዝተወሰኑ መገዲታት ንተሽከርካሪ ዕፁዋት ከምዝኾኑ ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ኣፍሊጡ፡፡

ብመሰረት እዚ፡-

  • ካብ አፍንጮ በር ናብ ቤ/ክርስቲያን ቅ/ጊዮርጊስ
  • ካብ ሰሜን ሆቴል ናብ ቤ/ክርስቲያን ቅ/ጊዮርጊስ
  • ካብ ቤተ ክርስቲያን ዮሃንስ ናብ ኣቡነ ጴጥሮስ
  • ካብ ኣራት መንታ ናብ ጅንኣድ
  • ካብ ማእኸል ዕዳጋ ይርጋ ሃይሌ ናብ ኣቡነ ጴጥሮስ
  • ካብ ድልድል ሃብተ ጊዮርጊስ ናብ ሱማሌ ተራ
  • ካብ ሱማሌ ተራ ናብ ሆቴል ኤሊያና (ባንኮዲሮማ) መስቀለኛ
  • ካብ ተክለሃይማኖት ኣደባባይ ናብ ቴዎድሮስ አደባባይ
  • ካብ ኣገር ኣስተዳደር መብራት ( ኢሚግሬሽን) ናብ ቴዎድሮስ ኣደባባይ
  • ካብ ንግድ ማተሚያ ቤት ናብ ቴዎድሮስ ኣደባባይ
  • ካብ ሮጌው ቄራ ናብ ባንኮ ዲሮማ መብራት
  • ካብ ራስ መኮንን ድልድል ናብ ደጎል ኣደባባይ
  • ካብ ራስ መኮንን ድልድል ናብ ቤ/ክርስቲያን ቅ/ጊዮርጊስ
  • ካብ መቅደላ ሆቴል ናብ ቤ/ክርስቲያንቅ/ጊዮርጊስ
  • ካብ ቤ/ክርስቲያን ቅ/ጊዮርጊስ ናብ ቴሌን ናብ ቤ/ክርስቲያን ቅ/ጊዮርጊስ ፊት ንፊት ናብ ዝርከብ ኣደባባይ ዝወስዱ መገዲታት ካብ 3 ለካቲት 2016 ዓ.ም ካብ ሰዓት 6 ጀሚሩ ንተሽከርከርቲ ስለዝዕፀዉ ኣሽከርከርቲ እዚ ተገንዚቦም ኣማራፂ መገዲታት ንኽጥቀሙን ፖሊስ ትራፊክ ብዝሕብሩዎም ኣንፈታት ብምጥቃም ኣድላዪ ምትሕብባር ንኽገብሩ ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ኣፍሊጡ፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ እቲ ስነ-ስርዓት ምረቓ ተጀሚሩ ክሳብ ዝዛዘም÷ ዕድመ ካብ ዝተገበረሎም ኣጋይሽ ወፃእ ናብ ሙዚየም ዝኽ ዓድዋ ዝወስዱ መገዲታት ንእግረኛታት እውን ዕፁዋት ከምዝኾኑ ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ኣብሪሁ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.