Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ትግራይ ካብ 4 ለካቲት ጀሚሩ ን20 መዓልቲ ዝፀንሕ ነፃ ወፍሪ ዕቀባ ሓመድን ማይን ክካየድ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 01 ለካቲት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ትግራይ ብብርኪ ክልል ካብ 4 ለካቲት 2016 ዓ.ም ጀሚሩ ን20 መዓልቲ ዝፀንሕ ነፃ ወፍሪ ዕቀባ ሓመድን ማይን ከምዝካየድ ቢሮ ሕርሻን ሃፍቲ ተፈጥሮን ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣፍሊጡ።

“ወፍሪ ዕቀባ ሓመድን ማይን ንዘላቒ ቁጠባዊ ውሕስናና!” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ከምዝካየድ ተገሊፁ።

ሓላፊ እቲ ቢሮ እያሱ ኣብርሃ(ዶ/ር) ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ፥ እቲ ወፍሪ ዕቀባ ሓመድን ማይን ብሰንኪ ዝነበረ ኲናት ንልዕሊ ሰለስተ ዓመት ተቋሪፁ ከምዝፀንሐ ኣብሪሆም።

እቲ ዕቀባ ሓመድን ማይን፥ ኣብ ዝቕፅሉ ኣዋርሕ ጠሊ ካብ ዝናብ ኣኸዛ ንምዕቃብን በዚ ኣቢልካ ቀልጢፎም ዝባፅሑ ዘርኢ ንምዝራእን ልምዓት መስኖ ንምቕፃልን ከምዝሕግዝ ገሊፆም።

ብተወሳኺ ሕፅረት ቀለብን ማይን እንስሳ ኣብ ምፍታሕ ልዑል ግደ ከምዘለዎ ተዛሪቦም።

ካብዚ ሓሊፉ ብሰንኪ ኵናት ዝተሃስየ ምሕዋይ ሃፍቲ ተፈጥሮ ዳግማይ ሕውየት ብምክያድ ድርቂ ዝፃወር ሕርሻ ንምፍጣር ሓጋዚ ኢዩ ኢሎም።

ኣብቲ ወፍሪ ኣስታት 780 ሺሕ ህዝቢ ብምስታፍ፥ ልዕሊ 53 ሺሕ ሄክታር መሬት ዕቀባ ሓመድን ማይን ከምዝካየደሉ ኣብ ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሚኒኬሽን እቲ ግዚያዊ ምምሕዳር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.