Fana: At a Speed of Life!

ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ኣብ ትግራይ ሰብኣዊ ቅልውላው ንዘጋጠሞም ወገናት ልዕሊ 67 ሚልየን ብር ደገፍ ለጊሱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ጥሪ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ብፕሬዚዳንት ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ኢትዮጵያ ሼኽ ሓጂ ኢብራሂም ቱፋ ዝተመርሐ ጉጅለ ሉኡኽ እቲ ቤት ምኽሪ ናብ መቐለ ብምኻድ ኣብ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ንዝርከቡ ወገናት ዝኸውን ሓገዝ ኣበርኪቱ።

ብመሰረት እዚ ብሰንኪ እቲ ዝነበረ ኲናት ስዒቡ ካብ መረበቶም ንዝተፈናቐሉን ብድርቂ ንዝተጠቕዑን ወገናት ዝውዕል ልዕሊ 67 ሚልየን ብር ዝግመት ሓገዝ ኣበርኪቱ ።

እቲ ሓገዝ፥ ካብ ዝተፈላለዩ ለገስቲን ውልቀሰባትን ዝተረኸበ ምግቢ ተንከፍ፣ ኣፋውስን ካልኦት ናውትን ዘካተተ ኢዩ።

ብተወሳኺ ጥረ ገንዘብ እውን ዘረከበ እንትኸውን፥ ብድምር 67 ነጥቢ 2 ሚልየን ብር ዝግምት ሓገዝ ከምዝኾነ ፕሬዚዳንት ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ኢትዮጵያ ሼኽ ሓጂ ኢብራሂም ቱፋ ገሊፆም።

ነቲ ሓገዝ ዝተረከቡ ርእሰ ምምሕዳር ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ጌታቸው ረዳ ብግደኦም፥ ነቲ ዝተገበረ ደገፍ አመስጊኖም።

ካብ ኩሉ ንላዕሊ ሕውነታዊ ርክባት ምጥንኻር ወሳኒ ሙኻኑ እውን ገሊፆም ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.