Fana: At a Speed of Life!

ሃገራት ዘንበረኦ ማዕቐብ ንኽፎክስ ምጅማረን ስዒቡ ለበዳ ቫይረስ ኮሮና ዳግም ክስፋሕፋሕ ኢዩ ዝብል ስግኣት ኣሕዲሩ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ሚያዚያ፣2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ሃገራት ዘንበረኦ ማዕቐብ ንኽፎክስ ምጅማረን ስዒቡ ለበዳ ቫይረስ ኮሮና ዳግም ክስፋሕፋሕ ይኽእል ኢዩ ዝብል ስግኣት ኣሕዲሩ ኣሎ።

ኣብ ግዝኣታት ኣሜሪካን ሃገራት ኣውሮፓን ዝተወሰኑ ትካላት መውሃቢ ግልጋሎታትን ተኸፊተን ኣገልግሎት ንኽህባ ምፍቃድ ጀሚረን ኣለዋ።

ብመሰረት እዚ ድማ ኣብ ዝተወሰና ሃገራት፥ ከም ኣቢያተ ምግቢ፣ ፋብካታት መሸጢ ዝተዳለዉ ምግቢን መስተን፣ ሳሎናት መመላኽዒን ካፍቴሪያታትን ዝበላ ትካላት ኣገልግሎት እናሃባ ይርከባ።

ኣብ ቻይናን ጀርመንን ድማ ኣብያተ ትምህርቲ ተኸፊተን ከምህራ ጀሚረን ኢየን።

ሓለፍቲን ሰብ ሞያታትን ጥዕና ብግደኦም፥ ሃገራት ዝርገሐ እቲ ቫይረስ ንምዕጋት ኣንቢረንኦ ዝነበራ እገዳ ምፍኳስ ምጅማረን እቲ ቫይረስ ንኻልኣይ እዋን ተላቢዱ ልዑል ሓደጋ ከብፅሕ ከምዝኽእል እናገለፁ ይርከቡ።

ክሳብ ሕዚ ኣብ ዘሎ ሓበሬታ፥ ኣብ መላእ ዓለም 270 ሺሕን 880 ሰባት በቲ ቫይረስ ህይወቶም ሓሊፉ ኢዩ።

ካብ ውሽጢ እዚኣቶም ኣብ ኣሜሪካ ጥራሕ 76 ሺሕን 942 ሰባት ህይወቶም እንትስእኑ፥ ልዕሊ 1 ነጥቢ 2 ሚሊየን ሰባት ድማ በቲ ቫይረስ ተለኺፎም ኢዮም።

ፍልፍል፦ ኣልጀዚራ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.