Fana: At a Speed of Life!

ኣይተ በረከት ስምኦን 6 ዓመት ከምኡ እውን ኣይተ ታደሰ ካሳ 8 ዓመት ማእሰርቲ ተበይኑሎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ሚያዚያ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኣምሓራ ኣይተ በረከት ስምኦን ሽዱሽተ ዓመት ከምኡ እውን ኣይተ ታደሰ ካሳ ሸሞንተ ዓመት ብይን ማእሰርቲ ከምዝወሰነሎም ተገሊፁ።

እቲ ቤት ፍርዲ 28 ሚያዝያ 2012 ዓ.ም ኣብ ዝወዓለ ችሎት ዓቃቢ ሕጊ ዘቕረቦ መኽበዲ ቅፅዓትን ተኸሰስቲ ዘቕረቡዎም መቕለሊ ቅፅዓትን ተመልኪቱ ብይን ንመሃብ ንሎሚ መዓልቲ ቆፀሮ ሂቡ ነይሩ።

ብመሰረት እዚ ተኸሰስቲ ብጠበቐኦም ኣቢሎም ዘቕረቡዎም መቕለሊ ቅፅዓታት፥ ኣባላት ስድራ ብምዃኖም፣ ስለዘሓመሙን ቅድሚ ሕዚ ዝኾነ ይኹን ዓይነት ተግባር ገበን ብዘይምፍፃሞምን ዝብሉ ነጥቢታት እቲ ቤት ፍርዲ ከም መቕለሊ ቅፅዓት ክሕዘሎም ክኢሉ።

በተወሳኺ ንብዙሕ ዓማውቲ ኣብ ፖለቲካዊን መንግስታዊን ስራሕቲ ምስረሖም ከም መቕለሊ ቅፅዓት ሒዙሎም ኢዩ።

ብወገን ዓቃቢ ሕጊ ተኸሰስቲ ኣብ ፖለቲካዊን መንግስታን ስራሕቲ ምግልጋሎም ሕጊ ካብ ካሊእ ሰብ ብዝበለፀ ንኽፈልጡዎ ዝገብር ስለዝኾነን ሓላፍነቶም ብኣግባቡ ብዘይምውፀኦምን ክሕተቱ ይግባእ ክብል ዘቕረቦ መኽበዲ ቅፅዓት ቤት ፍርዲ ኣይተቐበሎን።

እቲ ቤት ፍርዲ እቶም ዝተጠቐሱ መክበዲን መቕለሊን ቅፅዓታት መሰረት ብምግባር ተኸሰስቲ ሓላፍነቶም ብኣግባቡ ብዘይምውፀኦም፥ ኣይተ በረከት ስምኦን ብኽልተ ክሲታት ከምኡ እውን ኣይተ ታደሰ ካሳ ብሰለስተ ክሲታት ጥፍኣተኛታት ብምባል ናይ ቅፅዓት ውሳነ ኣመሓላሊፉ።

ብመሰረት እዚ ኣይተ በረከት ስምኦን ብሽዱሽተ ዓመት ማእሰርቲን ብር 10 ሺሕን ከምኡ እውን ኣይተ ታደሰ ካሳ ብሸሞንተ ዓመት ማእሰርቲን ብር 15 ሺሕን ንኽቕፅዑ ወሲኑ።

ብናትናኤል ጥጋቡ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.