Fana: At a Speed of Life!

ሰነ ስርዓት  ርኽክብ ሳይት ካልኣይ ብርኪ ህንፀትን ዝርግሐን ግድብ ገረብሰገን ተሳሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ጥሪ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ቅድሚ ኲናት ብ830 ሚልየን ብር ንክህነፅ ተተሊሙ 12 ምኢታዊ ምስ በፅሕ ዝተቛረፀ ካልኣይ ብርኪ ህንፀትን ዝርገሐን ፕሮጀክት ግድብ ገረብ ሰገን መሊስካ ንምጅማር ዘኽእል ስነ ሰርዓት ርኽክብ ሳይት ተሳሊጡ።

እቲ ስነ ስርዓት ኣብ መንጎ ቢሮ ማይሃፍቲ ትግራይ፣ ልምዓት ባንኪ ኣፍሪካ፣ ምምሕዳር ከተማን ኢዩ ተኻይዱ።

እቲ ፕሮጀክት ኣብ ውሽጢ 420 ናይ ስራሕ መዓልትታት ከምዝዛዘም ዝገለፁ ኣተሓባባሪ እቲ ፕሮጀክት ኢንጅነር ደስታ ግደይ፥ ሙሉእ ስራሕ ካብ ዕለት 30 ጥሪ ከምዝጅመር ተዛሪቦም።

ኣብ ኩለመዳያዊ ስራሕቲ ዝምልከቶም ኣካላት ንምሕጋዝ ካብ ሐዚ ምድላዋት ክገብሩ ፀዊዖም።

እቲ ህንፀት ፀሜክስ ሓለፍነቱ ዝተወሰነ ውልቀ ማሕበርን ኩባንያ ራይኮን ኮንስትራክሽንን ዘሳልጥዎ እንትኾኑ፥ በቲ ዝተትሓዘሉ ግዘ ንምዝዛም ክንሰርሕ ኢና ክብሉ ኣካያድ ስራሕ እቲ ትካል ሓቢሮም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.