Fana: At a Speed of Life!

ቀ/ሚ ኣቢይ ምህርቲ ልምዓት መስኖ ስርናይ ንምውሳኽ ከምዝተተለመ ኣፍሊጦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ሚያዚያ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ስርናይ ካብ ወፃኢ ኣብ ክንዲ ምእታው ብመስኖ ብምልማዕ ምህርቲ ንምውሳኽ ከምዝተተለመ ኣፍሊጦም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ፌስቡክ ገፆም ከምዝፀሓፉዎ፥ ኢትዮጵያ ልዑል ምህርቲ ስርናይ ምፍራይ ካብ ዝኽእሉ ሃገራት ኣፍሪካ ሓን ምዃና ኣፍሊጦም።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ስርናይ ካብ ወፃኢ ከምዝኣቱ ዝገለፁ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ፥ ኣብ ክልላት ቤንሸንጉልን ጋምቤላን ተስፋ ዘለዎ ውፅኢት ከምዝተርኣየ ገሊፆም።

ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ ክልል ሶማሌ ዘሎ ፍርያት ስርናይ ቆላ ዝበረታታዕ ከምዝኾነ ኣብሪሆም።

ንዓመታዊ ሓምለዋይ ዓሸራ ዝኾኑ ፈልሲታት ኣብ ሰለስቲአን ክልላት ብኣግባቡ እናተዳለዉ ምዃኖም ምዕዛቦም እውን እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣገንዚቦም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.