Fana: At a Speed of Life!

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ(ዶ/ር) ስምምዕነት ፕሪቶሮያ ብዝምልከት ንዝተልዓሉ ሕቶታት መብርሂ ሂቦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ጥሪ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብ ዝተረኸብሉ መበል ሳላሳይ ዘበን ስራሕ መበል 14 ስሩዕ ኣኼባ ስሩዕ ኣኼብኡ የሳልጥ ኣሎ።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ዝሃብዎ ምላሽ፥ ድሕሪ ስምምዕነት ሰላም መንግስቲ ፌዴራልን ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይን ብምትሕብባር ብዙሓት ስራሕቲ ሰሪሖም ኢዮም ኢሎም።

በዚ ድማ ብዙሓት ዓወታት ከምዝተመዝገቡ ኣገንዚቦም።

መዕርፎ ነፈርቲ ብምፅጋን ትራንስፖርት ነፈርቲ ምጅማር ከምዝተኽኣለ እውን ተዛሪቦም።

ብኣማኢቲ ሚሊየናት ዝቑፀር ገንዘብ ወፃኢ ብምግባር ኣገልግሎት ቴሌኮም ከምዝተጀመረ ኣብሪሆም።

ብሄራዊ ባንኪ 10 ቢሊየን ጥረ ገንዘብ ብምሃብ ኣብ ክልል ትግራይ ባንኪ ኣገለግሎት ከምዝተጀመረ ብምግላፅ፥  217 ፋብሪካታት ስራሕ ከምዝጀመሩ እውን ሓቢሮም።

ካብዚ ሓሊፉ ትካላት ትምህርቲን ጥዕናን ኣገልግሎት ይህባ ከምዘለዋ ተዛሪቦም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ መብሪሂኦም፥ ድሕሪ ስምምዕ ሰላም ዝተሰርሑ ስራሕ ዓብዪ ለውጢ ኢዩ ኢሎም።

ይኹን እንበር ኣብ ቀፀልቲ ዝስርሑ ስራሕቲ ስለዘለዉ በምትሕብባርን ዘተን ምስራሕ ከምዝግባእ ገሊፆም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.