Fana: At a Speed of Life!

ብዲጂታል ስርዓት ዕድጊት ነዳዲ ልዕሊ 155 ቢሊየን ብር ዕድጊት ተፈፂሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ጥሪ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ብዲጂታል ስርዓት ዕድጊት ነዳዲ ልዕሊ 155 ነጥቢ 4 ቢሊየን ብር ዕድጊት ከምዝተኻየደ በዓል መዚ ነዳዲን ኢነርጂን ኣፍሊጡ።

ዕድጊት ነዳዲ ብዲጂታል ስርዓት ምክያድ ካብ ዝተጀመረሉ ሚያዝያ 2015 ጀሚሩ ክሳብ ሕዚ ልዕሊ 155 ነጥቢ 4 ቢሊየን ብር ዕድጊት ከምዝተመፈፀመ ዳይሬክተር ኮሙኒኬሽን እቲ በዓል መዚ በቀለች ኩማ ተዛሪበን፡፡

እቲ እቲ ዕድጊት ዲጅታል ምዃኑ÷ ኣብቲ ዓውዲ ዘሎ ኮንትሮባንድ ኣብ ምቁፅፃር፣ ብኽነት ነዳዲ ኣብ ምትራፍን ዕድጊት ኣብ ምቅልጣፍን ልዑል ኣስተዋፅኦ ከምዘበርከተ እውን ፀሪሐን፡፡

ይኹን እምበር ሕዚ እውን ኣብ ከይዲ ዕድጊት ክፍተታ ከምዘለዉ ኣመልኪተን፡፡

ዲጅታል ስርዓት ዕድጊት ዘይፍፅሙ መዕደሊ ነዳዲታት ብምክትታልን ኦዲት ኣብ ምግባርን ካብ ምትእስሳር ነዳዲ ንኽወፅኡ ኣንፈት ከምዝተቐመጠ ገሊፀን፡፡

ኣብ ኢትዮጵያካብ ሞንጎ ዝርከቡ 1 ሺሕን 589 መዕደሊታት እቶም 1 ሺሕን 469 ዝኾኑ ዕድጊቶም ብቴሌ ብር እናፈፀሙ ከምዝኾኑ እተን ዳይሬክተር ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ተዛሪበን፡፡

ብመሳፍንት እያዩ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.