Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ወረዳ ራያ ጨርጨር ብልዕሊ 3.6 ሚሊየን ብር ዝተኾዓተ ዓሚዩቕ ጉድጎድ ማይ ተመሪቑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ጥሪ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ወረዳ ራያ ጨርጨር ብልዕሊ 3 ነጥቢ 6 ሚሊየን ብር ዝተኾዓተ ዓሚዩቕ ጉድጎድ ማይ ተመሪቑ።

ኣብ ስነ ስርዓት እቲ ምረቓ፥ ሓለፍቲ ዝተፈላለዩ አብያተ ዕዮ ግዚያዊ መንግሰቲ ክልል ትግራይ፣ ኣካላት ኣመራርሓ ዞባን ወረዳን ካልኦት ዕድመ ዝተገበረሎም ኣጋይሸን ተረኺቦም።

እቲ ዓሚቕ ጉድጎድ ማይ፥ አብቲ ወረዳ ዝርከቡ 94 ሸቕሊ ኣልቦ መናእሰይ  ካብ ተፀባይነትን ሰደትን ብምንጋፍ ዘላቒ ለውጢ መነባብሮ ንምምዝጋብ ዓሊሞም ጥሪቶም ብምሻጥን ካብ ስድረኦም ዝረኸብውዎ ብምትእኽኻብን ዘኾዓትዎ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ዋና አማሓዳሪ ወረዳ ራያ ጨርጨር ኣይተ ኻልኣዩ ግደይ፥  እቶም መናእሰይ ብሰንኪ ድርቂ ንዝኸፍአ ፀገም ይሳጥሑ ከምዝነበሩ ተዛሪቦም።

ሕዚ ግን እዋን ክራማት ከይተፀበዩ ብዝለዓለ ወነ ናብ ዘበናዊ ልምዓት መስኖ ንምስግጋር ዘኽሎም 197 ሜትሮ ጉድጓድ ማይ ከምዘኹዓቱ ብምግላፅ፥ ንዝርገሐ ሓይሊ መብራህትን ፓምፕን ዝውዕል ዝምልከቶም አካላት ደገፍ ንክግበረሎም ፃውዒት ኣቕሪቦም።

ዋና አማሓዳሪ ዞባ ደቡብ አይተ ሃፍቱ ኪሮስ ብወገኖም እቶም መናእሰይ ካብ ሰደትን መከራን ብምንጋፍ ብዘላቕነት ለውጢ መነባብሮ ንምምዝጋብ ዝወሰድዎ ተበግሶ ንካልኦት መርኣያን መለዓዓሊ ተግባርን ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

አመራርሓን ኪኢላታት ልምዓት ሕርሻን ደገፍን ክትትልን ክገብሩ ትፅቢት ከምዝግበረሎም እውን ገሊፆም።

እቶም ብመሰኖ ዝተወደቡ መናእሰይ ሕዚ ዘለዎም ፀገም ንምቅላል ምምሕዳር ዞባ ደቡብ 21 ሚሊየን ብር ንምሃብ ምውሳኑ ኣይተ ሃፍቱ ኣረጋጊፆም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.