Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ከተማታት እናወሰኸ ዝመፅአ ቁፅሪ ሰብ ክሽከም ዝኽእል ቀረብ ኣባይቲ ንክህሊ ቆላሕታ ንክወሃብ ተሓቲትቱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ጥሪ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ከተማታት እናወሰኸ ዝመፅአ ቁፅሪ ሰብ ክሽከም ዝኽእል ቀረብ ኣባይቲ ንክህሊ ሚኒስቴር ከተማን መሰረተ ልምዓትን ቆላሕታ ንክወሃብ ተሓቲትቱ።

ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ሳልሳይ ዓመት ዘበን ስራሕ መበል 12 ስሩዕ ኣኼብኡ ሎሚ መዓልቲ ኣሳሊጡ።

ኣብቲ መድረኽ፥ ኣፈፃፅማ መደባት ፈረቓ ዓመት ሚኒስቴር ከተማን መሰረተ ልምዓትን ገምጊሙ።

ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ከተማን መሰረተ ልምዓትን ትራንስፖርትን፥ ኣብ ከተማታት ኣወሃህባ ኣገልግሎት ዘይምዝማን፣ ተሓታትነትን ገልፅነትን ኣሰራርሓ ዘየምህላው፣ ምስፍሕፋሕ ዘየሕጋዊን ግዕዙይ ኣሰራርሓን ብምህላዉ ተገልገልቲ ቅርታ የቕርቡ ከምዘለዉ ገሊፁ።

ስለዝኾነ ነቶም ፀገማት ኣብ ምፍታሕ እቲ ሚኒስቴር ጠመተ ክገብር ተሓቲትቱ።

ሚኒስተር ከተማን መሰረተ ልምዓትን ወ/ሮ ጫልቱ ሳኒ፥ ኣብ ኣወሃህባ ኣገልግሎት ከተማታት ዝለዓሉ ሕቶታት ብምፍታሕ ዕግበት ተገልገልቲ ንምርግጋፅ የስራሕ ኣሎ ኢለን።

ኣብ ገፀር ይኹን ከተማ ነዝስርሑ ምስፍሕፋሕ መሰረተ ልምዓታትን ፕሮግራም ዝተዋደደ ማኔጅመንት መሬትን ዝውዕል ምስ ባንኪ ዓለም ልዕሊ 900 ሚሊየን ዶላር ንምርካብ ዘኽአል ስምምዕነት ከምዝተኸተመ ተዛሪበን።

ብየሻምበል ምሕረት

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.