Fana: At a Speed of Life!

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር) ኣፍልጦን ሽልማትን ዝረኸቡ ንዘርአዩዎ ኣመራርሓን ቆራፅነትን ኢዩ – ቢልለኔ ስዩም

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ጥሪ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር) ብትካል ምግቢን ሕርሻን (ፋኦ) ዝተውሃቦም ዝኸበረ ሽልማት ሜዳሊያ ኣግሪኮላ ፋኦ ንዘርአዩዎ ኣመራርሓን ቆራፅነትን ከምዝኾነ ሓላፊት ፕሬስ ሴክሬታሪያት ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ቢልለኔ ስዩም ገሊፀን።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ ጉባኤ ጣሊያን-ኣፍሪካ ጉባኤ ከምኡ እውን ኣብ መድረኽ ኣፍልጦ ፋኦ ንምስታፍን መደረ ንምስማዕን ኣብ ጣሊያን ሮም ከምዝርከቡ ብምግላፅ እተን ሓላፊት መብርሂ ሂበን።

ኣብ መብርሂአን ድማ ብቀዳማይ ሚኒስትር ጣሊያን ጆርጅ ኣሜሎኒ ዝተሰናደአ ጉባኤ ጣሊያን ኣፍሪካ÷ ምስ ኣፍሪካ ብዝበለፀ ተቐራሪብካ ንምስራሕ ዕላማ ዝገበረ ከምዝኾነ ገሊፀን።

ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓፉ ሓሙሽተ ዓመታት ኣዚዮም ብዙሓት ምምሕያሻት እናገበረት ከምዝኾነት ዝሓበራ ቢልለኔ ስዩም÷ ብፍላይ ድማ ኣብ ዛዕባ መመሓየሺ ሃገር በቆል ኢኮኖሚ ውፅኢት እናመፅአ ከምዝኾነ ተዘሪበን።

ካብ ሞንጎ ሓሙሽተ ዓምዲታት መመሓየሺ ሃገር በቆል ኢኮኖሚ ሓደ ሕርሻ ከምዝኾነ ብምግላፅ፤ ኣብ ኢንቨስትመንት ሕርሻ ሰፊሕ ስራሕ እናተሰርሐ ከምዝርከብ ገሊፆም።

ኣብ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰርን ትሩፋት ሌማትን ከምኡ እውን ምስ ልምዓት ስርናይ ተተሓሒዙ ብዝተመዝገበ ውፅኢት ኢትዮጵያ ኣፍልጦ እናረኸበት ከምዝኾነት ሓቢረን።

ኣብ ዓውዲ ሕርሻ ኣብ ዝግበር ምንቅስቓስ ዘዕግብ ውፅኢት እናምፀአ ይርከብ ዝበላ እተን ሓላፊት ፕሬስ ሴክሬታሪያት÷ ፋኦ ንቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ዝሃቦም ዝኸበረ ሽልማት ሜዳልያ ኣግሪኮላ ፋኦ ንዘርአዩዎ ኣመራርሓን ቆራፅነትን ከምዝኾነ ኣገንዚበን።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.