Fana: At a Speed of Life!

ርእሳነ ምምሕዳራት ቀ/ሚ ኣቢይ (ዶ/ር)ሜዳልያኣግሪኮላፋኦ ብምሽላሞም መልእኽቲ እንኳዕ ደስ በለኩም ኣመሓላሊፎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ጥሪ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ርእሳነ ምምሕዳራት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ዝኸበረ ሜዳልያኣግሪኮላፋኦ ብምሽላሞም መልእኽቲ እንኳዕ ደስ በለኩም ኣመሓላሊፎም።

ርእሰ ምምሕዳር ክልል ሃረሪ ኦርዲን በድሪ÷ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ብትካል ምግቢን ሕርሻን ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዝኸበረ ሜዳልያኣግሪኮላፋኦ ብምሽላሞም ዝተሰመዖም ሓጎስ ገሊፆም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ውሕስና ምግቢን ቀረብ ዝተመጣጠነ ምግቢን ንዘርአዩ ራኢ፣ ኣመራርሓን ቆራፅነትን፣ ኢሉ እውን ቅልጡፍ፣ ተለዋዋጢን ፈታኒን ኣብ ዝኾነ ከባቢያዊ ኩነታ ብፍርያት ስርናይ ርእስኻ ንምኽኣል ብዝተኸተሉዎ ፈጠራዊ መፍትሒ ኣፍልጦ ንመሃብ ዝተበርከተሎም ሽልማት ከም ሃገር ውሕስና ምግቢ ንምርግጋፅ ተወሳኺ ተበግሶ ዝፈጥር ኢዩ ኢሎም።

ብተመሳሳሊ ክልል ሶማሌ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር) ኣብ ውሕስና ምግቢን ቀረብ ዝተመጣጠነ ምግቢን ንዘርአዩዎ ዕዉት ኣመራርሓ፣ ብትካል ምግቢን ሕርሻን ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዝኸበረ ሜዳልያኣግሪኮላፋኦ ብምሽላሞም ዝተሰመዖ ሓጎስ ገሊፁ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.