Fana: At a Speed of Life!

ፋና ኣብ ሞንጎ ህዝቢታ ሰላምን ዴሞክራሲን ንኸዓስል ሃናፂ ግደ እናተዋፀአ ይርከብ – ለገሰ ቱሉ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ጥሪ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ፋና ኣብ ሞንጎ ህዝቢታ ሰላምን ዴሞክራሲን ንኸዓስል ሃናፂ ግደ እናተዋፀአ ከምዝርከብ ሚኒስትር ግልጋሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ ለገሰ ቱሉ (ዶ/ር) ገፆም፡፡

ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ዘህነፀ ሓዱሽ ዘመናዊ ስቱዲዮ ፋና ላምሮት የመርቕ ኣሎ፡፡

ለገሰ ቱሉ (ዶ/ር) ኣብዚ እዋን ከምዝበሉዎ÷ ፋና ህዝብና ንህንፀት ሃገር ብዝረብሕ መልክዑ ናብ ሓደ ንምምፃእን ሰላምን ዴሞክራሲን ንኸዓስልን ኣብ ዓውዲ ሚዲያ ግድኡ እናተዋፀአ ይርከብ፡፡

“ፋና ኣብ ዓውሲ ኢንዱስትሪ ሚዲያ ሃገርና ብፍላይ ኣብ ዘፈር ሬዲዮ መሪሕ ምዃኑ ኩሉ ዝምስክረሉ ኢዩ” ክብሉ ገሊፆም፡፡

ሕዚ ድማ ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ዘለዉ ጣቢያታት ቴሌቪዥን ብዝሐሸ ኣቀራርባ ብዝሐሸ ትሕዝቶ እናመፅአ ከምዝኾነ ኣብሪሆም፡፡

ኣብ ቀፃሊ እውን ሕዚ ንምርኣይ ከምዝኸኣልናዮ ዓይነት ሓዱሽ ኣቀራርባን ትሕዝቶን እንተመፂኡ÷ ፋና ሓበሬታ ናይ መሃብ ብምምሃርን ብምዝንጋዕን ተወዳዳሪ ኢንዱስትሪ ሚዲያ ከምዝኸውን የኣምን” ክብሉ ገሊፆም፡፡

ብፍላይ ኣብ ቀረባ እዋን ዝተጀመሩ ከም ፋና ቀለማት፣ ፋና ላምሮት ባህሊን ኪነ-ጥበብን ካብ ምዕባይ ሓሊፉ ተውህቦ ዘለዎም ሰባት ናብ ህዝቢ ንኽመፅኡን ዓቕሞም ንኽምዕብልን ናይ ምሕጋዝ ስራሕ ብምስራሕ ሰብ ሞያ ኪነ ጥበብ ኣብ ዝሐሸ ቦታ ንኽበፅሑ እናገበረ ከምዝርከብ ገሊፆም፡፡

በዚ ድማ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ኣብ ህንፀት ሃገር ህንፀት ትውልዲን ግድኡ እናተፃወተ ከምዝርከብ ተዛሪቦም፡፡

እቲ ኮርፖሬት ኣዚዩ ንኡሽተይ ካብ ዝኾነ ኣጉዶ ተበጊሱ ሎሚ ሰለስተ ኣርባዕተ ግልጋሎታት ዝህብ ስቱዲዮ ንምህናፅ ብምብቅዑ ከምዝተሓጎሱ ገሊፆም፡፡

እቲ ትካል ነዚ ዓወት ዘብቅዑ ኣመራርሓ ሰብ ሞያን መዳርግቲ ኣካላትን ምስጋና ኣቕሪቦም፡፡

ግልጋሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ ግቡእ ሓገዝ ንምግባር ኣብ ጎኒ እቲ ኮርፖሬት ከምዝኾነ እቶም ሚኒስትር ኣረጋጊፆም፡፡

ብኣመለወርቅ ደምሰው

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.