Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ዝሓለፉ ሽድሽት ኣዋርሕ ናይ ውሽጢን ደገን ፅዕንቶታት ብምፅዋር ጥንኩር ኢኮኖሚያዊ ምዕባለ ምምዝጋብ ተኻኢሉ – ኣይተ ኣሕመድ ሺዴ

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ጥሪ፣ 2016(ኤፍ ቢ ሲ)ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ ሽድሽት ኣዋርሕ ናይ ውሽጢን ደገን ፅዕንቶታት ብምፅዋር ኣብ ቀንዲ ቀንዲ ፍልፍላት ዕቤት ዝሐሸ ኣፈፃፅማ ከምዝተመዝገበ ሚኒስትር ገንዘብ ኣይተ ኣሕመድ ሺዴ ገሊፆም።

ማእኸላይ ኮሚቴ ፓርቲ ብልፅግና ኣብ ዓበይቲ ሃገራዊ ጉዳያትን ዝተፈላለዩ ዛዕባታት ፓርቲን ብምዝታይ ውሳነታት ብምሕላፍ ተዛዚሙ።

እቲ ማእኸላይ ኮሚቴ÷  ኣብ ዝሓለፉ ሽድሽት ኣዋርሕ ሓፈሻዊ ኢኮኖሚያዊ ምዕባለ እታ ሃገር  እንታይ መልክዕ ከምዝነበሮ ምዝታዩ ተገሊፁ።

ምስ ግልጋሎት ዜና ኢትዮጵያ ፃንሒት ዝገበሩ ኣባል ኮሚቴ ፈፃሚ ስራሕ እቲ ፓርቲን ሚኒስትር ገንዘብን ኣይተ ኣሕመድ ሺዴ ከምዝበሉዎ÷ ኣብ ዝሓለፉ ሽዱሽተ ዓመታት መንግስቲ ብዝተኸተሎ ሃገር በቆል መመሓየሺ ኢኮኖሚ ዝበረታታዕ ምዕባለ እናተመዘገበ ይርከብ።

በዚ ድማ ብተኸታታሊ እናተመዝገበ ዝርከብ ዕቤት ምስ ብዙሓት ሃገራት እንትነፃፀር ዝሐሸ ኣፈፃፅማ ዘለዎ ከምዝኾነ ገሊፆም።

ውልቀ ሴክተር ብንቕሓት ብዘሳትፍን ዝበረታታዕን መልክዑ ዝተሓንፀፁ ፖሊሲታት ንውፅኢታዊነት ምኽንያት ከምዝኾነ እውን ኣብሪሆም።

ኩለመዳይ ስትራቴጂ ፍልፍላት ምዕባለ ምትግባሩ ድማ ፅዕንቶታት ኢኮኖሚ ብምፅዋር ብተኸታታሊ ክዓቢ ምግባሩ ተዛሪቦም።

ኣብ ኣፈፃፅማ ዓውዲታት ሕርሻ፣ ኢንዱስትሪ፣ ቱሪዝምን ሜጋ ፕሮጀክታትን ውፅኢታዊ ስራሕ ከምዝተወገኑ እቲ ሚኒስትር ኣመልኪቶም።

በዚ ድማ ኣብ ዝሓለፉ ሽድሽት ኣዋርሕ ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ፅዕንቶታትማሽጢ ዓዲን ወፃኢን ብምፅዋር ኣብ ቀንዲ ቀንዲ ፍልፍላት ዕቤት ዝሐሸ ኣፈፃፅማ ከምዝተመዝገበ ገሊፆም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.