Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ብሪታኒያ ብምኽንያት ተላባዲ ሕማም ኮቪድ-19 ህይወቶም ዝሓለፉ ሰባት ቁፅሮም ካብ ኣውሮፓ ዝለዓለ ኮይኑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ሚያዚያ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ብሪታኒያ ብምኽንያት ተላባዲ ሕማም ኮቪድ-19 ህይወቶም ዝሓለፉ ሰባት ቁፅሮም ካብ ሃገራት ኣውሮፓ ዝለዓለ ኮይኑ።

ኣብታ ሃገር በቲ ቫይረስ ህይወቶም ዝሓለፉ ሰባት ካብ ጣሊያንን ስፔንን ብቑፅሪ ክዛይድ ክኢሉ ኣሎ።

ሚኒስተር ጉዳያት ወፃኢ ብሪታኒያ ዶሚኒክ ራብ ከምዝገለፁዎ፥ ኣብ መላእ ሃገር ብምኽንያት እቲ ቫይረስ 29 ሺሕን 427 ሰባት ህይወቶም ሓሊፉ ኢዩ።

እዚ ድማ ብብርኪ ዓለም ካብ ኣሜሪካ ቀፂሉ ልዑል ቁፅሪ እንትኸውን፥ ካብ ሃገራት ኣውሮፓ ድማ ቀዳመይቲ ክትከውን ክኢላ።

ኣብ ኣሜሪካ በቲ ቫይረስ ልዕሊ 70 ሺሕ ዜጋታት ህይወቶም ሓሊፉ ኢዩ።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ብዓለም ለኸ ደረጃ ልዕሊ 3 ነጥቢ 6 ሚሊየን ሰባት በቲ ቫይረስ ዝተለኸፉ እንትኾኑ፥ 258 ሺሕን 850 ሰባት ህይወቶም ከምዝሓለፈ ድማ ኣብ ወርልድ ኦሜትር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ልዕሊ 1 ነጥቢ 1 ሚሊየን ሰባት ድማ ካብቲ ቫይረስ ሓዊዮም ኢዮም።

ፍልፍል፦ ሲ ኤን ኤን

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.