Fana: At a Speed of Life!

ዕቑር ሃፍቲ ከተማታት ብግቡእ ንምጥቃም ዘኽእሉ ፖሊሲታት እናተተግበሩ ከምዝኾኑ ኣይተ ሽመልስ ገሊፆም

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ጥሪ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ዕቑር ሃፍቲ ከተማታት ብግቡእ ንምጥቃም ዘኽእሉ ፖሊሲታት እናተተግበሩ ከምዝኾኑ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኦሮሚያ ኣይተ ሽመልስ ገሊፆም።

“ከተማታትና ማእኸላ ፍርያት፣ ክእለትን ሰናይ ምምሕዳርን ብምግባር ውሕስና ምግቢ ንምርግጋፅ ከምኡ እውን ኣወሃህባ ግልጋሎት ንምዝማን ብዕቱብ እናተሰርሐ ይርከብ” ኢሎም፡፡

ኣብ ከተማታት ዝረአ ድኽነትን ስእነት ስራሕን ንምፍታሕ ድማ ከተማታት ዘለዉወን ዓሞቕቲ ዓቕሚታት ብምፍላይ ናብ ጭቡጥ ሃፍቲ ዝቕይር ትኽክለኛ ፖሊሲ ብምስንዳእ ናብ ስራሕ ከምዝተኣተወ ገሊፆም፡፡

ንኣብነት እውን ካብ ሞንጎ ፖሊሲታት ሓደ ዘፈር ልምዓት እንስሳት ብምፅራሕ ኣብ ዝተዛዘመ መንፈቕ ዓመት 15 ሺሕን 200 ክላስተራት ንምህናፅ ተሓሲቡ ምዕዋት ከምዝተኽኣለ ኣብሪሆም፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.