Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ወረዳ ዙሪያ ደሴ ብዘጋጠመ ሓደጋ ትራፊክ ህይወት 13 ሰባት ሓሊፉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ጥሪ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዞባ ደቡብ ወሎ ኣብ ወረዳ ዙሪያ ደሴ ብዘጋጠመ ሓደጋ ትራፊክ ህይወት 13 ሰባት ሓሊፉ፡፡

እቲ ሓደጋ መበገሲኣ ደሴ ብምግባር ናብ ኣቀስታ እናተጓዓዘት ዝነበረት ሚኒባስ ተሽከርካሪት ዘጋጠመ ኢዩ፡፡

እታ ሚኒባስ 21 ተሳፈርቲ ፅዒና እናተጓዓዘት ዝነበረት እንትትከውን÷ ካብ ሞንጎ እዚኣቶም እቶም 13 ሰባት ህይወቶም ከምዝሓለፈ በዓል ሞያ ትራፊክ ቤት ፅሕፈት ፖሊስ ወረዳ ዙሪያ ደሴ ዋና ሳጅን ኤፍሬም ይመር ተዛሪቦም፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ 7 ሰባት ከቢድ ጉድኣት በፂሑዎም ኣብ ስፔሻላይዝድ ሆስፒታል ደሴ ሕክምና እናተገበረሎም ከምዝርከብ ገሊፆም፡፡

መበገሲ እቲ ሓደጋ እናተፃረየ ከምዝኾነ ምግላፆም እውን ሓበሬታ ኮሙኒኬሽን ዞባ ደቡብ ወሎ የመላኽት፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.