Fana: At a Speed of Life!

ሓይሊ ባሕሪ ኣብ ቀፃሊ ዝወሃቦ ልኡኽቶ ብቖራፅነት ክዋፃእ ይግባእ – ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ጥሪ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)”ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ ንሰራዊትና ተወሳኺ ዓውሚ ዝፈጥር ሓይሊ ብምዃን ኣብ ቀፃሊ ዝወሃቦ ልኡኽቶ ብቖራፅነት ክዋፃእ ይግባእ” ክብሉ ላዕለዋይ ኢታማዦር ሹም ሓይሊታት ጦር ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ ገሊፆም።

ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ ዘበናዊነት ብዝተኸተለ ኣግባብ ካብ ፅባሕ ለውጢ ጀሚሩ ንሓሙሽተ ዓመታት ውዳበ ካልኦት ሃገራት ምስ ከባቢያዊ ኩነታት ኢትዮጵያ ብምጥዕዓም ዘተዋደደ ስራሕ ከምዝተሰርሐ እውን ኣብሪሆም፡፡

“ኣብዚ ሕዚ እዋን እተሃነፀ ሓይሊ ባሕሪ ጥንኩርን ብቕዓት ዘለዎን ኣብ ዝኾነ ይኹን ማያዊ ኣካል ግቡኡ ክዋፃእ ዝኽእልን ኣብ መከላኸሊ ሓይሊና ተወሳኺ ዓቕሚ ዝፈጥር ክኸውን ተገይሩ ተሃኒፁ ኢዩ” ኢሎም፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.