Fana: At a Speed of Life!

ንህንፀት ግድብ ህዳሴ ዝውዕል ልዕሊ 500 ሚሊየን ብር ተኣኪቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ጥሪ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዝሓለፉ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ንንህንፀት ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ዝውዕል ልዕሊ 503 ሚሊየን ብር ከምዝተኣከበ ገሊፁ፡፡

ኣብ ዝሓለፉ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ብዝተፈላለዩ መገዲታት መተኣኻኸቢ እቶት ካብ ሕብረተሰብ 625 ሚሊየን ብር ንምእካብ ተሓሲቡ ልዕሊ 503 ሚሊየን ብር ከመዝተኣከበ ተሓቢሩ፡፡

ኣታዊ ከብ ዝተኣከበሎም መገዲታት ድማ መሸጣ ቦንድ ውሽጢ ሃገርን ህያብን፣ መሸጣ ቦንድ ዳያስፖራን ህያብን፣ ካብ መሸጣ ፒንን ሓፂር ፅሑፍ ሞባይል 8100ኤ ከምዝፅርሑ ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡

ምክትል ዳይሬክተር ቤት ፅሕፈት ፕሮጀክት መተሓባበሪ ግድብ ህዳሰ ፍቅርተ ታምር ከምዝበለኦ÷ ኣብ ከይዲ ምትእኽኻብ እቶት ኣብ ክልላት ዝግበር ስራሕቲ ምትእኽኻብ እቶት ቀፃሊ ዘይምዃን ዝተቐመጠ ሸቶ ንምዕዋት ማሕለኻ ኮይኑ፡፡

ህንፀት ዓብዪ ግድብ ህዳሴ ተዛዚሙ ናብ ስራሕ ንኸኣቱ ሓገዝ ሕብረተሰብ ተጠናኺሩ ንኽቕፅል እውን ፃውዒት ኣቕሪበን፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.