Fana: At a Speed of Life!

በሪ ባሕሪ ዘይብለን ሃገራት ሕቶ ምልማዕ ህዝበን ንምምላስ ይፅገማ ኣለዋ – ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ጥሪ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)በሪ ባሕሪ ዘይብለን ሃገራት ሕቶ ምልማዕ ህዝበን ንምምላስን ኩነታ ናብራ ንምምሕያሽን ልዑል ዝኾነ ፈተና እናጋፈጣን እናተፀገማን ከምዝርከባ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ገሊፆም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር)ንጉጅለ ልኡኾምን ኣብ ኡጋንዳ ካምፓላ ኣብ ዝተሳለጠ መበል 19 ጉባኤ ርእሳነ ብሄርን ርእሳነ መንግስታትን ጎስጓስ ገለልተኛ ሃገራት ተሳቲፎም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብቲ ጉባኤ ኣብ ዘስምዑዎ መደረ፤ በሪ ባሕሪ ዘይብለን ሃገራት ዘለወን ፈተና ዝምልከት መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።

በሪ ባሕሪ ዘይብለን ሃገራት ሕቶ ምልማዕ ህዝበን ንምምላስ እናተፀገማ ከምዝኾና ኣገንዚቦም።

በሪ ባሕሪ ዘይብላ ኢትዮጵያ እውንእቲ ፀገም ንምፍታሕ ብሰላማዊና ሓበራዊ ተረባሕነትን መምርሒ መሰረት ብምግባር ፃዕሪ እናገበረት ከምዝኾነት ምብረሆም ኣብ ትዊተር ገፆም ኣብ ዘመሓላለፉዎ ፅሑፍ ገሊፆም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.