Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያን ስሎቬኒያን ሓበራዊ መድረኽ ዘተ ፖለቲካ ንምግባር ኣብ ምርድዳእ በፂሐን

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ጥሪ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያን ስሎቬኒያን ሓበራዊ መድረኽ ዘተ ፖለቲካ ንምግባር ኣብ ምርድዳእ ከምዝበፅሓ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣፍሊጡ፡፡

ጎድና ጎድኒ ኣብ ዳቮስ እናተኸየደ ምስ ዝርከብ ፎረም ኢኮኖሚ ዓለም÷ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያ ወፃኢን ደመቀ መኮንን ምስ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ሚኒስትር ጉዳያ ወፃኢን ኣውሮፓን ስሎቬኒያ ታንጃ ፋጆን ተዛቲዮም፡፡

ኣብ ዘተኦም ድማ ኣብ ክልተኣዊን ዞባዊን ጉዳያት ዘቲዮም፡፡

ኣይተ ደመቀ÷ ስሎቬኒያ ንሓደ ዓመት ተለዋጢት ኣባል ቤት ምኽሪ ፀፅታ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ብምዃን ብምምራፃ ዝተሰመዖም ሓጎስ ገሊፆም፡፡

ስሎቬኒያ ኣብ ቀረባ እዋን ኤምባሲኣ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምኽፋታ ንቀፃሊ ርክብ ክልቲአን ሃገራት ዓብዪ ኣስተዋፅኦ ከምዝህልዎ ኣብሪሆም፡፡

ታንጃ ፋጆን ብግደአን÷ ስሎቬኒያ ምስ ኢትዮጵያ ዘለዋ ርክብ ናብ ዝለዓለ ብርኪ ንምብፃሕ ቆራፅ ከምዝኾነት ገሊፀን፡፡

ርክብ ክልቲአን ሃገራት ንምጥንኻር ድማ ክልተኣዊ ሓበራዊ መድረኽ ዘተ ፖለቲካ ንምግባር ኣብ ምርድዳእ ከምዝበፅሑ ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.