Fana: At a Speed of Life!

ኣይተ ጌታቸው ረዳ ምስ ወከልቲ ህዝቢ ዞባታት ሰሜን ምዕራብን ምዕራብን ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ጥሪ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ርእሰ ምምሕዳር ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ምስ ወከልቲ ህዝቢ ዞባታት ሰሜን ምዕራብን ምዕራብን ተዛቲዮም።

ኣብ’ቲ ዘተ ኣመራርሓ ዞባታት ሰሜን ምዕራብን ምዕራብን ትግራይ ተረኺቦም።

ኣብቲ መድረኽ ዘተ ዝተረኸቡ ተሳተፍቲ÷ ድሕሪ ዉዕሊ ስምምዕ ፕሪቶርያ እዉን እንተኾነ ኣብ ዝተፈላለያ ከባቢታት ትግራይ ክሳብ ሕዚ ኩለ መዳይ ፀገማት ህዝቢ ብዘላቕነት ከምዘይተፈትሑ ገሊፆም።

ህዝቢ ትግራይ ልቢ ብምዕባይ ዉዕሊ ሰላም ንኽፍፀም ፀገማቱ ፀይሩ ከምዝፀንሐ ዝሓበሩ እቶም ተሳተፍቲ÷ መንግስቲ ኣብዚ ጉዳይ ግልፂ መብርሂ ክህበሉ ሓቲቶም።

ንመናእሰይ ጠመተ ተገይሩ ዝፍጠር ዕድል ስራሕ ብዘይምህላዉ መናእሰይ ኣደዳ ስደትን ሞትን ይኾኑ ኣለዉ ብምባል፤ መንግስቲ ካብ ኣኼባ ወፂኡ ንትግራይ ዘገልግልን ሓላፍነት ዝዋፃእን መሪሕነት ከምፅእ ከምዝግባእ ኣገንዚቦም።

ርእሰ ምምሕዳር ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣይተ ጌታቸዉ ረዳ ብግደኦም ውዕሊ ሰላም ፕሪቶሪያ ሙሉእ ብሙሉእ ተግባራዊ ንምግባር ዘለዉ ክፍተታት ብምእራም ከምዝስራሕ ኣብሪሆም።

ተመዛበልቲ ናብ መረበቶም ንምምላስ ካብ ካልእ እዋን ንላዕሊ ብዕቱብ ይስራሕ ኣሎ ዝበሉ ኣይተ ጌታቸዉ÷ “ክሳብ ዝምለሱ ግና ዘለና ሃፍቲ ኣዋዲድና ወገናትና ንምድሓን ክንሰርሕ ኢና” ኢሎም።

ብሓገዝ ጥራሕ ምንባር ከምዘይከኣል ብምግላፅ፤ “ብቅልጡፍ ናብ ኣፍራይነት ንምእታው ዝከኣለሉ ባይታ ንምምችቻዉ ከምዝስራሕ ገሊፆም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.