Fana: At a Speed of Life!

ቤት ምኽሪ መናእሰይ ኢትዮጵያ ምስ ሶማሊላንድ ዝተገበረ ስምምዕነት ከምዝድግፍ ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ጥሪ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ቤት ምኽሪ መናእሰይ ኢትዮጵያ ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ሶማሊላንድ ዝተፈረመ ሰነድ ስምምዕነት ከምዝድግፍ ኣፍሊጡ።

ፕሬዚዳንት እቲ ቤት ምኽሪ ፉኣድ ገና ነቲ ስምምዕነት ኣመልኪቶም ኣብ ዝሃቡዎ መግለፂ÷ እቲ ቤት ምኽሪ ተረባሕነት መናእሰይ፣ ኣካታታይነትን ተሳትፎን ንምርግጋፅ ከምዝሰርሕ ገሊፆም።

“ብመሰረት እዚ እቲ ስምምዕነት ገራዊ ረብሕኡ ዝዓዘዘ፣ ኢኮኖሚያዊ ተጠቃምነት ዘምፅእ፣ ዞባዊ ምትእስሳር ዘጠናኽርን ዓቕሚ ዲፕሎማሲ ዘዕቢን ብምዃኑ እቲ ቤት ምኽሪ ነቲ ስምምዕነት ይድግፎ ኢዩ” ኢሎም፡፡

ኣፈፃፅምኡ ዕዉት ንኽኸውን ናይ ባዕሉ ግደ ከምዝዋፃእ ተዛሪቦም።

እቲ ስምምዕነት ብዝበለፀ ንመናእሰይ ተረባሕነት ዘምፅእ ብምዃኑ ኣብ ከይዲ ተሳትፎ መናእሰይ ክብ ኣብ ምባል ከምዝሰርሕ ተገሊፁ።

ብዘመን በየነ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.