Fana: At a Speed of Life!

ብጄኔራል ኣበባው ታደሰ ዝተመርሐ ልኡኽ ኣብ ሓይሊ ሜካናይዝድ ኣዋሽ ኣርባ ዑደት ገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ጥሪ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ብምክትል ኤታማዦር ሹም ላዕለዋይ ሓይሊታት ጦር ብጄኔራል ኣበባው ታደሰ ዝተመርሐ ልኡኽ ኣብ ኣዋሽ ኣርባ ዝርከብ ሓይሊ ሜካናይዝድ ተዓዚቡ።

እቲ ልኡኽ ከይዲ ስልጠና እቲ ሓይሊ ሜካናይዝድ ዝተመልከተ እንትኸውን÷ ድሕሪ ትዕዝብቲ ድማ ጄኔራል ኣበባው ታደሰ መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።

ኣብ መልእኽቶም ድማ÷ “ኣብ ምዕባለ ዕቤት ኢትዮጵያ ዕንቅፋት ንምፍጣር ዝፅዕሩ ፀላእቲን ሓደሽቲ ሓይሊታትን እናተኣኻኸቡ ከምዝኾኑ ንርኢ ኣለና” ኢሎም፡፡

“ፀላእቲ እንታይ ክገብሩ ከምዝኽእሉ ብቕርበት እናተኸታተልና ንርከብ” ዝበሉ ጄኔራል ኣበባው÷ “ኢትዮጵያ ናይ ዝኾነት ሃገር ብሄራዊ ረብሓ ምንካእ ግቡእ ከምዘይኮነ ብምእማን ናይ ካእ ሃገር ብሄራዊ ረብሓ ነኺኣ ኣይተፈልጥን፤ ሕዚ እውን ኣይትነክእን፤ ታሪኻ እውን ኣይኮነን” ኢሎም።

“ናይ ካሊእ ሃገር ብሄራዊ ረብሓ ብዘይንነኽኦ መጠን ንሕና እውን ንሄራዊ ረብሓ ኢትዮጵያ ኣሕሊፍና ኣይንህብን ብምባል ምኹመዳይ ብሄራዊ ረብሓ ኢትዮጵያ ከምወትሩ ዘብዒ ክንከውን ኢና” ክብሉ ገሊፆም፡፡

ሓይሊ ሜካናይዝድ ዘበናዊነት ብምኽታል ኢትዮጵያ ብዝምጥንን መልክዑ ዝጀመሮ ስልጠና ብምድንፋዕን እዋናዊ ትኹረት ብመሃብን ብሓዱሽን ዘበናዊ ዕጥቂታት ሙያዊ ብቕዓት ምድንፋዕን ምርግጋፅን ከምዝግባእ ኣገንዚቦም።

ብድልዉነት ስነ-ልቦና ብቑዕ ብምዃን ንምርግጋፅ ብሄራዊ ረብሓን ክብሪን ኢትዮጵያ ተባሂሎም ዝውሰዱ ሙያዊ ስልጠናታት ብቕልጡፍ ምዝዛምን ንዝወሃቦም ዝኾነ ይኹን ወፍሪ ድሉው ምዃንን ትፅቢት ከምዝግበረሎም ምግንዛቦም ካብ ሰራዊት ምክልኻል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.