Fana: At a Speed of Life!

ንተመዛበልቲ ውሽጢ ዓዲ ደገፍ ምግባር ዘኽእል ፕሮጀክት 2 ነጥቢ 7 ቢሊየን ብር ዕላዊ ተገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ጥሪ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሕብረት ኣውሮፓን መዳርግቲ ሃገራትን ንተመዛበልቲ ውሽጢ ዓዲ ደገፍ ምግባር ዘኽእል ፕሮጀክት 2 ነጥቢ 7 ቢሊየን ብር ዕላዊ ገይረን።

እቲ ፕሮጀክት ኣብ ክልል ትግራይ፣ ዓፋር፣ ቤኒሻንጉል ጉምዝን ኣምሓራን ብዝተፈላለዩ ምኽኒያታት ንዝተመዛበሉ ዜጋታትን ጎረባብቲ ክፋላት ማሕበረሰብን ደገፍ ምግባር ዘኽእል ኢዩ ተባሂሉ።

እቲ ፕሮጀክት ዓለም ለኸ ትካል ስደተኛታት፣ ትካል ተራድኦ ጀርመን፣ ኤጀንሲ ምትሕብባር ልምዓት ጣሊያን፣ ቀይሕ መስቀል ዴኒማርክን ማሕበር ቀይሕ መስቀል ኢትዮጵያን ብምትሕብባር ተግባራዊ ከምዝግበር ተገሊፁ።

ነትግበራ እቲ መርሃ ግብሪ ዝተመረፁ ከባቢታት ብልዑል ኩነታት ብጎንፂ ዝተጎድኡ፣ ልዑል ቁፅሪ ተመዛበልቲ ወይ ካብ ስደት ተመለስቲ ዘለውዎም ከምዝኾኑ ኣብ ሕብረት ኣውሮፓ ኣብ ኢትዮጵያ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.