Fana: At a Speed of Life!

ልምዓት ዳታ ንህንፀት ዲጂታል ኢኮኖሚ ቁልፊ መሳርሒ ብምዃኑ ብምትሕብባር ክስራሕ ይግባእ-በለጠ ሞላ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ጥር፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ልምዓት ዳታ ንህንፀት ዲጂታል ኢኮኖሚ ቁልፊ መሳርሒ ብምዃኑ ብምትሕብባርን ብምርብራብን ክስራሐሉ ዝግባእ ገዚፍ ሃፍቲ ኢዩ ክብሉ ሚኒስትር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን በለጠ ሞላ (ዶ/ር) ገሊፆም።

እቶም ሚኒስትር ልምዓትን ምምሕዳርን ረቂቕ መምርሒ ዳታ ብዝምልከት መዳርግቲ ኣካላት፣ ኣመራርሓን ተወከልቲን ኣብ ዝተረኸብሉ ምስ ክፍሊ ኢኮኖሚን ማሕበራዊን ጉዳያት ውድብ ሕቡራት መንግስታት ተዛቲዮም።

በለጠ ሞላ (ዶ/ር )፥ ሀንፀት ዲጂታል ኢኮኖሚ ካብ ልምዓት ዳታ ወፃእ ዝሕሰብ ኣይኮነን ኢሎም።

ስለዝኾነ ልምዓት ዳታ ንህንፀት ዲጂታል ኢኮኖሚ ቁልፊ መሳርሒ ብምዃኑ ብምትሕብባር ክስራሕ ይግባእ ክብሉ ገሊፆም።

ሚኒስቴር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ህንፀት ዲጂታል ኢኮኖሚ ናይ ምትሕብባር ሓላፍነት እንተወሰደ እውን ዕውትነቱ ግን ኩለን መንግስታዊን ዘይመንግስታዊን ትካላት ብምውዳድ ክሰርሓ ከምዝግባእ ኣገንዚቦም።

ተወካሊ ክፍሊ ኢኮኖሚን ማሕበራዊን ጉዳያት ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዋይ ሚን ክዎክ ብግደኦም፥ መንግስቲ ኢትዮጵያ ልምዓትን ምምሕዳርን ዳታ ዝሰርሖ ዘሎ ስራሕ ንኢዶም።

ኣብ ቀፃሊ ብምትሕብባር ዝስርሑ ስራሕቲ ኣጠናኺርና ክንቅፅል ኢና ክብሉ እውን ገሊፆም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.