Fana: At a Speed of Life!

ህዝቢ ትግራይ ገጢምዎ ካብ ዘሎ ኩለመደያዊ ሓደጋ ንክወፅእ ሐዚ እውን ዝተዋደደ ርብርብ የድሊ – ኣይተ ጌታቸው ረዳ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ጥሪ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ህዝቢ ትግራይ ገጢምዎ ካብ ዘሎ ኩለመደያዊ ሓደጋ ንክወፅእ ሐዚ እውን ዝተዋደደ ርብርብ የድሊ  ክብሉ ርእሰ ምምሕዳር ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ገሊፆም።

ኣይተ ጌታቸው ብሚኒስትራት ፌዴራል ምስ ዝተመርሐ ጉጅለ ሉኡኽ መንግስቲ ፌዴሪኢ ዘቲዮም።

እቶም ርእሰ ምምሕዳር፥ መንግስቲ ፌዴራልን ካልኦት ኣካላትን ህዝቢ ትግራይ ንምድሓን ዝገብርዎ ውስን ደገፋት ንኢዶም።

ህዝቢ ትግራይ ገጢምዎ ካብ ዘሎ ኩለ መደያዊ ሓደጋ ንክወፅእ ሕዚ እውን ዝተዋደደ ርብርብ ከምዘድሊ ድማ ተዛሪቦም።

ፀገም ተመዛበልቲ ዝፍታሕ ናብ መረበቶም እንትምለሱ እዩ ዝበሉ ኣይተ ጌታቸው ረዳ፥ ትግራይ መሊስካ ንምህናፅ አብ ዝግበር ፃዕሪ  ኩሉ ክረባረብ ፃውዒት ኣቕሪቦም።

ብሚኒስትራት ፌዴራል ዝተመረሐ ጉጅለ ልኡኽ ዝተፈላለዩ ሓገዛት ብምሓዝ ሎሚ መዓልቲ ናብ መቐለ ምምርሑ ይዝከር።

እቲ ልኡኽ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ክልል ትግራይ ኣጋጢሙ ንዘሎ ድርቂን ካልኦት ፀገማትን ዝኸውን ሓገዝ ገንዘብ፣ ምግቢን ኣልባሳትን ገይሩ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.