Fana: At a Speed of Life!

ዝተፈላለዩ ሚኒስትራት ዝሓቖፈ ጉጅለ ሉኡኽ መንግስቲ ፌዴራል መቐለ ኣትዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ጥሪ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒሰትር እቶት ወ/ሮ ኣይናለም ንጉሰ፣ ሚኒስትር ደቂ ኣነስትዮን ማሕበራዊ ጉዳይን ዶክተር ኣርጎጌ ተስፋይ፣ ኮሚሽን ጉምሩክ ኣይተ ደበሌ ቃበታ ሓዊሱ ካልኦት ብርክት ዝበሉ ሚኒስትራት ዘካተተ ጉጅለ ሉኡኽ መንግስቲ ፌዴራል መቐለ ኣትዩ።

ኣባላት እቲ ልኡኽ ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ኣሉላ ኣባነጋ እንትበፅሑ፥ ብላዕለውት ኣመራርሓ ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣቀባብላ ከምዝተገበረሎም ተሓቢሩ።

ብሰንኪ ደርቂ ኣብ ሓደጋ ንዘሎ ህዝቢ ትግራይ ዝውዕል 11 መኪና ኣልባሳት ሒዞም ከምዝመፅኡ ሓልፊት ቢሮ ፋይናንስን ምትእኽኻብ እቶትን ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዶ/ር ምሕረት በየነ ገሊፀን።

ዝተረኸበ ሓገዝ ብቑልጡፍ ናብ ዝተፀገሙ ወገናት ከምዝባፃሕ እውን ኣብሪሀን።

እቶም ሚኒስትራት ምስ ርእሰ ምምሕዳር ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳን ካልኦት ዝምልከቶም ኣካላትን ዘተ ክገብሩ ኢዮም ዝብል ትፅቢት ኣሎ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.