Fana: At a Speed of Life!

ላዕለዋይ ወታደራዊ ኣዛዚ ሂዝቦላህ ብመጥቃዕቲ እስራኤል ከምዝተቐተለ ተሰሚዑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ታሕሳስ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ላዕለዋይ ወታደራዊ ኣዛዚ ሂዝቦላህ ዊሳም ታዊል ብመጥቃዕቲ እስራኤል ከምዝተቐተለ ተሰሚዑ።

እቲ ወታደራዊ ኣዛዚ እስራኤል ኣብ ደቡባዊ ሊባኖስ ብዝፈፀመቶ መጥቃዕቲ ሰብ ኣልቦ ኣውሮፕላን ኢዩ ተቐቲሉ፡፡

ዊሳም ታዊልን ካልኦት ኣባላት ሂዝቦላህን ሒዛ ኣብ ዝነበረት መኪና ዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ድሮን ከምዝኾነ ሬውተርስ መሰኻኽር ዓይኒ ፀሪሑ ፀብፂቡ፡፡

ኣብ ልዕሊ እቲ ወታደራዊ ኣዛዚ ዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ዘስካሕኽሕ ከምዝነበረ እውን ኣብቲ ቦታ ዝነበሩ ኣካላት ፀፅታ ተዛሪቦም፡፡

ሂዝቦላህ ብግድኡ÷ ዊሳም ታዊል ዝተባህለ ላዕለዋይ ኣዛዚ ህይወቱ ከምዝሓለፈ የረጋግፅ እምበር ህይወቱ ዝሓለፈበሉ ዝርዝር ምኽንያት ካብ ምፅራሕ ከምዝተቖጠበ ተሓቢሩ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.