Fana: At a Speed of Life!

ስምምዕነት ኢትዮጵያን ሶማሊላንድን ንኢትዮጵያ ካብ ብሪክስን ኣህጉራዊ ናፃ ቀጠና ንግዲ ኣፍሪካ ተጠቃሚት ዝገብር ኢዩ – ኣይተ ገብረመስቀል ጫላ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ታሕሳስ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሰነድ ስምምዕነት ኢትዮጵያን ሶማሊላንድን ንኢትዮጵያ ካብ ብሪክስን ኣህጉራዊ ናፃ ቀጠና ንግዲ ኣፍሪካ ተጠቃሚት ዝገብር ከምዝኾነ ሚኒስትር ንግዲን ዞባዊ ምትእስሳርን ኣይተ ገብረመስቀል ጫላ ገሊፆም።

ኣይተ ገብረመስቀል ጫላ÷ ኢትዮጵያ ሓዊሱ ክልኦት ሃገራት ኣብ ቀረባ እዋን ዝተፀምበራሉ ብሪክስ ስርዓት ዕዳጋ ዓለም ካብ ’ዩኒ-ፖላር’ ናብ ክልተን ልዕሊኡን ኣማራፂ ንምስፋሕ ዘኽእል ከምዝኾነ ኣልዒሎም።

ብምዃኑ ድማ ኢትዮጵያ ኣብ ብሪክስ ምንቅስቓሳ ምስ ኣባል ሃገራት ዝህልዋ ኩለመዳይ ምትእስሳር ብፍትሓዊ ምትእስሳር ዋጋ ናብ ኣባል ሃገራት ብምልኣኽን ብምምፃእን ተጠቃሚት ንምዃን እቲ ስምምዕነት ዓብዪ ትርጉም ከምዘለዎ ተዛሪቦም።

ብኣህጉራዊ ናፃ ቀጠና ንግዲ ኣቢላ ፍርያታት ንኣል ሃገራት ብምቕራብ ንሓበራዊ ተረባሕነት ምቹው ኩነታ ዝፈጥር ከምዝኾነ ምግላጦም እውን ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.