Fana: At a Speed of Life!

ሆቴላት ኣዲስ ኣበባ ንካልኣይ ትውልዲ ኢትዮጵያዊያን ኣድላዪ ምድላው ብምግባር ኣጋይሽ ይቕበሉ ኣለዉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ታሕሳስ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሆቴላት ኣዲስ ኣበባ ንካልኣይ ትውልዲ ኢትዮጵያዊያን ኣድላዪ ምድላው ብምግባር ኣጋይሽ ይቕበሉ ከምዘለዉ ማሕበር ሰብ ዋና ሆቴል ኣዲስ ኣበባ ኣፍሊጡ።

ፕሬዚዳንት እቲ ማሕበር ወ/ሮ ኣስቴር ሰለሞን ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት፥ እቶም ሆቴላት ኣብ ወፃኢ ዓዲ ንዝነብሩ ካልኣይ ትውልዲ ኢትዮጵያዊያን ዘተኣማምንን ቅልጡፍን ኣገልግሎት ንምቕራብ ኣድላዪ ምድላው ከምዝገበሩ ተዛሪበን።

ነቶም ኢትዮጵያውያን ኣብ ዝወሃቡ ዝተፈላለዩ ኣገልግሎታት 25 ሚኢታዊት ቅናሽ ንምግባር ስምምዕነት ከምዝተገበረ ገሊፀን።

ባህላዊ ዓይነታት ምግቢ፣ ባህላዊ ኣልባሳት፣ ሳዕስዒት ብሄር ብሄረሰባት፣ ኣፈላልሓ ቡናን ካልኦት ባህላዊ ክብሪታትን ንምርኣይ ምድላው ከምዝተገበረ ኣብሪሀን።

ብመላኩ ገድፍ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.