Fana: At a Speed of Life!

ቴሌቪዥን ዓባይ ናይ መወዳእታ መጠንቀቕታ ተዋሂቡዎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ታሕሳስ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ዓባይ ቴሌቪዥን ፅቡቕ ባህሊን ክብሪን ሕብረተሰብ ዝጥሕሱ ሓሳባት ዝሓዘ ፕሮግራም ኣመሓላሊፉ ብዝብል ብበዓል መዚ ማኸቢ ሓፋሽ ኢትዮጵያ ናይ መወዳእታ መጠንቀቕታ ተዋሂቡወዎ።

እቲ በዓል መዚ ነቲ ቴሌቪዥን ጣቢያ ኣብ ዝፀሓፎ ናይ መወዳእታ መጠንቀቕታ ደብዳበ÷ “ዓባይ ቴሌቪዥን ሰንበት 28 ታሕሳስ 2016 ዓ.ም ‘ዋሸሁ እንዴ?’ ኣብ ዝተብሃለ ፕሮግራም ስብእና ደቂ ኣንስትዮ፣ መሰልን ክብሪን ዘነኣእስ ከምኡ እውን ፅቡቕ ባህሊን ክብሪን ሕብረተሰብ ዝጥሕሱ ብፍላይ ድማ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝፍፀም ገበን ዘበረታትዑን ንሰገናት ናብ ይተገበአ ተግባር ዝደፋፍኡ ሓሳባትን ርኢቶታትን ኣብቲ ፕሮግራም ከምዝተመሓላለፉ ብዝገበሮ ክትትል ትሕዝቶ ሚዲያ ከምዝተዓዘበ ብምግላፅ፤ “ካብ ሕብረተሰብ እውን ጥቁምታ ቀሪቦም ኢዮም” ኢሉ።

ኣብቲ ዕለት ዝተፈነወ ፕሮግራም ኣዋጅ መራኸቢ ሓፋሽ 1238/2013 ዓንቀፅ 68/2 ለ/ሐ/መ/ን ሰ ን ዝተቐመጡ ድንጋገታት ዝጠሓሰ ኮይኑ ከምዝተረኸበ በዓል መዚ ሓቢሩ።

ካብዚ ብተወሳኺ “ቴሌቪዥን ዓባይ ብተደጋጋሚ ፅቡቕ ክብሪ፣ ሰላምን ድሕንነትን ሕብረተሰብ ዘናግዑ መደባትን ዜናታትን ኣብ ጣቢያኡ እንትፍኑ በቲ በዓል መዚ ዝተፈላለዩ ግብረ መልሲታት ከምኡ እውን ምስ ሓለፍቲ እቲ ጣቢያ ልዝባት ብምክያድ ምምሕያሽ ንኽግበር ክግበር ፃዕሪ ይገበር እምበር እቲ ጣቢያ ግን መሰል ተግባራት ክእርም ኣይከኣለን” ክብል ገሊፁ።

ብምዃኑ እቲ ጣቢያ ኣብ ቀፃሊ መሰል ሕጊ ዝጥሕሱ፣ ሓላፍነት ዝጎደሎም፣ ስብእናን ድሕንነት ደቂ ሰባት ኣብ ሓደጋ ዘእትዉ መደባት ካብ ምፍናው ንኽቑጠብ ናይ መወዳእታ መጠንቀቕታ ከምዝተውሃቦ ኣፍሊጡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.