Fana: At a Speed of Life!

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ(ዶ/ር) በዓል ልደት ምኽኒያት ብምግባር ናይ እንኳዕ ኣብፀሐኩም መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ታሕሳስ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) በዓል ልደት ምኽኒያት ብምግባር ናይ እንኳዕ ኣብፀሐኩም መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ መልእኽቶም፥ ታሪክ ዓለምን ደቂ ሰባትን ዝቐየረ ክርስቶስ ኣብ ገበላ ክውለድ ኢዩ ዝብል ትፅቢት ኣይነበረን። ካብዚ ብምብጋስ ታሪክ ዓለም ብዝነኣድ ኩነታት እንትልወጥ ዓለም ባዕላ ግን ደቂሳ ነይራ ኢሎም።

ታሪኽ ዓለምን ሃገርን ዝቕይሩ ነገራት ብዝተለመዱን ትፅቢት ብዝግበረሎምን መገዲታት ንከይመፅኡ ይኽእሉ ኢዮም ብምባል፥ ብዙሓት ብዝፈልጥዎን ብዝትንትንዎን ኣካይዳ ንከየጋጥሙ ከምዝኽእሉ እውን ተዛሪቦም።

ከምዚ ብዝበለ ኩነታት ብምርዳእ ዝርከብ ንሕና ዘይንፈልጦ፣ ዘይበፃሕናዮን ዘይገመትናዮን ካሊእ መገዲ ክህሊ ከምዝኽእል ንምቕባል እንተተዳሊና ኢዩ ድማ ኢሎም።

ነገራት ኩሎም ንሕና ብእንፈልጦ፣ ብእንግምቶን ብዝለመድናዮን መገዲ ጥራሕ ንክመፅኡ እንተተፀቢና ከድክመና ይኽእል ኢዩ ክብሉ ዝገለፁ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ ናይ ከተማ ቤተ ልሄምን ኣውራጃ ይሁዳን ሰባት ታሪክ ዓለም ኣብ ዝቐየረ ልደት ክርስቶት ከይተሳተፉ ዝቐረይሉ ካብ ዝለመድዎን ዝፈልጥዎን ወፃእ ንዝመፅእ ነገር ድልዋት ስለዘይነበሩ ኢዮም ክብሉ ኣረዲኦም።

ናይ ቤተ ልሄም ሰባት ጥራሕ ዘይኮኑስ ንጉስ ሄሮድስን እውን ብዘደንገፀ መገዲ ሰብአ ሰገል ካብ ምብራቕ “ንጉስ ኣይሁድ ኣበይ ኣሎ” እናበሉ ካብ ጓሶት ቀፂሎም መፂኦም ኢሎም። ዝኾነ ይኹን ሰብ ኣይተፀበዮን። ትፅቢት ዘይተገበረሎም ሰብኣ ሰገል ትፅቢት ኣብ ዘይተገበረሉ ቦታ ኣብ ደንባ ተረኺቦም። ኣብ ዘይተለመደ ስፍራ፣ ብዘይተለመደ መገዲ ተጓዒዞም፣ ትፅቢት ኣብ ዘይተገበረሉ ቦታ ተረኺቦምን ትፅቢት ዘይተገበረሉ ተኣመር ኢዩ ኢሎም።

ሃገር እውን ከሉ ጊዜ ደቂ ሰባት እንትጓዓዝሉ ብዝነበሩሉ መገዲ ጥራሕ ምድሓን ኣይከኣልን ዝበሉ ኣብ መልእኽቶም፥ ሰብ ኩሉ ብዝፈልጦ፣ ብዝለመዶን ብዝርደኦን መፍትሒታት ጥራሕ ሃገር ምሕላው ከምዘይከኣል ኣገንዚቦም።

ብመሰረት እዚ ነቲ መገዲ ዝርዳእን ትፅቢት ካብ ዝግበረሉን ዝሕሰብን ወፃእ ንምጉዓዝ ወለንታዊ ዝኾነ ወገን ይድለ ኢሎም። ሐዚ ኢትዮጵያ ዘለትሉ ኩነታት ከምዚ ኣብ ዝበለ ጉዕዞ ምዃኑ ሓቢሮም።

መፍትሒ ንምምፃእ ድማ ዝተፈለየ፣ ትፅቢት ዘይግበረሉ፣ ካብ እንፈልጦ ዝወፅአን ዘይተሓሰበን መገዲ የድሊ ኢሎም።

ኩሉ ነገር ንምኽሪን ተግሳፅን ንክኾነና ስለዝተፅሓፈ፥ ልደት ክርስቶስ እንትነኽብር ብልደት ዝተረኸበ በረከትን ምድሓንን ቀፂሉ ዓለም ዝቐየረሉ መገዲ ምፅናዕ ንሕና እውን እንጓዓዘሉ መገዲ ምግምጋም ይግባእ ክብሉ መልእኽቶም ኣመሓላሊፎም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.