Fana: At a Speed of Life!

ከንቲባ ኣዳነች ምስ ኣቦ መንበር ኮንግረስ ምምሕዳር ቻይናዊት ከተማ ቾንቺን ተዛቲየን

ኣዲስ ኣበባ ፣ 26 ታሕሳስ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ምስ ኣቦ መንበር ኮንግረስ ምምሕዳር ቻይናዊት ከተማ ዣዎ ሺቺንግ ክልተኣዊ ርክብ ኣብ ዝጠናኸረሉ ኩነታት ጠሚተን ተዛቲየን፡፡

ኣብቲ እዋን ዘተ÷ ዣዎ ሺቺንግን ልኡኾምን ኣዲስ ኣበባ ምስ ብዙሓት ከተማታት ቻይና ብሓባር እነሳሰርሐት ምዃና ኣልዒሎም፡፡

ኣዲስ ኣበባ ምስ ከተማ ቾንቺን ስምምዕነት ሕውነት ክትፈራረምምን እቲ ርከብ ብዝበለፀ ንኽጠናኸር ድሌት ከምዘለዎም ምግላፆም ከንቲባ ኣዳነች ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም ፅሒፎም፡፡

እቶም ከተማታት ኣብ ምትሕብባር ኢኮኖሚ፣ ስግግር ቴክኖሎጂ፣ ሞያ ቴክኒክን፣ ናፃ ዕድል ትምህርቲ ከምኡ እውን ኣብ ዓውዲታት ባህሊን ቱሪዝምን ብሓባር ንምስራሕ ስምምዕነት ሕውነታውነት ንምፍርራም ከምዝተሰናድኡ ተሓቢሩ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.