Fana: At a Speed of Life!

ሩሲያ ኣብ ውሽጢ ወታደራዊ ሓይላ ንዝርከቡ ዜጋታት ወፃኢ ሃገራት ዜግነት ክትህብ ኢያ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 26 ታሕሳስ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሩሲያ ኣብ ውሽጢ ወታደራዊ ሓይላ ንዝርከቡ ዜጋታት ወፃኢ ሃገራት ዜግነት ከምትህብ ክሬምሊን ኣፍሊጡ፡፡

ፕሬዚዳንት ሩሲያ ቭላድሚር ፑቲን ኣብ ጦር እታ ሃገር ወይ እውን ኣብ ካልኦት ወታደራዊ ክፍሊታት እናገልገሉ ዝርከቡ ዜጋታት ወፃኢ ፓስፖርት ሩሲያ ንኽረኽቡ ዘኽእሎ ውሳነ ሓሳብ ፈሪሞም ከምዘፅደቑዎ ተገሊፁ፡፡

ብመሰረት እቲ ውሳነ ሓሳብ ኣብ ኲናት ሩሲያ ዩክሬን ኣብ ሓይሊ ምክልኻል ሩሲያ እናገልገሉ ዝርከቡ ዜጋታት ወፃኢ ሃገር ስድረኦም ሓዊሱ ዜግነት ሩሲያ ናይ ምርካብ መሰል ኣለዎም ተባሂሉ፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ እዋን እቲ ኲናት ብምኽንያት ፀገም ጥዕና ካብ ውትድርና ዝተሰናበቱ ከምኡ እውን ብጥሮታ ዝተገለሉን ናይ ግልጋሎት እዋኖም ዝዛዘሙን ኣባላት እቲ ጦር መሰል ዜግነት ዝረኽቡ ከምዝኾኑ ተሓቢሩ፡፡

ኲናት ሩሲያን ዩክሬንን ካብ ዘጋጥም ንደሓር ብወገን ዩክሬን ልዕሊ 13 ሺሕ 500 ወታደራት ካልኦት ሃገራት ከምዝተሰለፉ ይዝረብ።

በተመሳሳሊ ኣብ ጦር ሩሲያ ትኽክለኛ ቁፅሩ ኣይፈለጥ እምበር ብዙሓት ናይ ወፃኢ ሃገራት ዜጋታት ብወታደርነት ከምዘገልገሉ ኣር ቲ ፀብፂቡ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.