Fana: At a Speed of Life!

ምስ ካሊእ ዓለም ክወዳደሩ ዝኽእሉ ተምሃሮ ንምፍራይ ምስራሕ የድሊ – ብርሃኑ ነጋ (ፕ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ታሕሳስ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ስርዓተ ትምህርቲ ኢትዮጵያ ተምሃሮ ምስ ካሊእ ዓለም ክወዳደሩ ዝኽእሉሉ ኮይኑ ክሕንፀፅ ከምዘለዎ ሚኒስትር ትምህርቲ ብርሃኑ ነጋ (ፕ/ር) ኣተሓሳሲቦም።

ሚኒስቴር ትምህቲ “ኣብ ስርዓተ ትምህርት እንታይ ዓይነት ትውልዲ ንህነፅ” ብዝብል ርእሲ ምስ ኣባላት ቤት ምኽሪ ትምህርቲ ተዛቲዮም፡፡

ሚኒስትር ትምህርቲ ብርሃኑ ነጋ (ፕ/ር)÷ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ስርዓተ ትምህርቲ ዓቕሚ፣ ፍልጠት፣ ክእለት፣ ስነ-ምግባርን ድሌትን ዘለዎም ተምሃሮ ንኸፍሪ ምስራሕ የድሊ ኢሎም፡፡

ክሳብ ሕዚ ብዝነበረ ስርዓት ፈተና ኣብ መዛዘሚ ፈተና 12 ክፍሊ ተምሃራይ ክንደይ ዝኣክል ፍልጠት ኣለዎ ዝብል ዝልክዕን 12 ክፍሊ ንምዝዛም ወይ እውን ዩኒቨርሲቲ ንምእታው ዘኽእል ምዃኑን ዘይምዃኑን ምፍታሽን ኣብ ቀፃሊ ክስተኻኸሉ ከምዝግባእን እውን ኣብሪሆም፡፡

ተሳተፍቲ እቲ ዘተ ብግደኦም÷ ኣብ ትምህርቲ ብዝስራሕ ስራሕ ምርድዳእን ብምኽንያት ዝኣምኑ ዜጋታት ምፍጣር እንተዝከኣል ኣብታ ሃገር ዝረአዩ ፀገማት ኣይፍጠሩን ነይሮም ኢሎም፡፡

ብምዃኑ ድማ ማሕበረሰብ ትምህርቲን ኣመራርሓን ስርዓተ ትምህርቲ ኣብ ምልዋጥ ኣብ ምርድዳእ ክበፅሕ ከምዝግባእ ኣገንዚቦም።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.