Fana: At a Speed of Life!

ተወከልቲ ተናሓናሕቲ ፓርቲታት ፖለቲካ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ስራሕቲ ልምዓት ዑደት ይሮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ታሕሳስ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከቡ ተወከልቲ ተናሓናሕቲ ፓርቲታት ፖለቲካ ዜሮ ዜሮ ኪሎ ሜትሮ ሙዝየም ዓድዋ ሓዊሱ ተሃኒፆም ግልጋሎት እናሃቡ ዝርከቡ ዓበይቲ ሰውተኮር ፕሮጀክታት ዑደት ይሮም።

ድሕሪ ዑደቶም ምስ ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ኣብ ዝገበሩዎ ልዝብ÷ እቲ ምምሕዳር ፅዕንቶ ናብራ ነባሪ ንምቅላል እናሰርሖም ዝርከቡ ስራሕቲ ህይወት ብዙሓት ሰባት እናቐየሩ ከምዝኾኑ ምግንዛቦም ገሊፆም፡፡

ዜሮ ዜሮ ኪሎ ሜትሮ ሙዝየም ዓድዋ ሓዊሱ ኣብታ ከተማ እናተሃነፁ ዝርከቡ ዓበይቲ ፕሮጀክታት ምስሊ እታ ከተማ ካብ ምልዋጥ ሓሊፉ ንወለዶ ዝመሓላለፉ ስራሕቲ ከምዝኾኑ እውን ገሊፀን፡፡

ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ ብግደአን÷ እቲ ምምሕዳር ህይወት ነበርቲ ብዘላቕነት ንምልዋጥ፣ ናብራ እታ ከተማን ንስራሕ ምችውቲን ንምግባር እናሰርሐ ምዃኑ ምግላፀን ካብ ቤት ፅሕፈት ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ምስሊ እታ ከተማ ዝቕይሩ ብዙሓት ትልሚታት ምስ ነበርቲ ብምትሕብባር እናተተግበሩ ከምዝኾኑ እውን እተን ከንቲባ ገሊፀን፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.