Fana: At a Speed of Life!

እቲ ስምምዕነት ሶማሊላንድ ካብ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ካብ ሊዝ ዝሕሰብ ብፅሒት ንኽህልዋ ዘኽእል ኢዩ – ግልጋሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ታሕሳስ ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ሶማሊላንድ ዝተፈረመ ስምምዕነት ሶማሊላንድ ኣብ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ካብቲ ሊዝ ዝሕሰብ ብፅሒት ንኽህልዋ ዘኽእል ኢዩ ክብል ግልጋሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ ፌዴሪኢ ኣፍሊጡ።

ግልጋሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ ነቲ ሰነድ ስምምዕነት ኣመልኪቱ ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ÷ ዝተፈረመ ኩለመዳይ ምትሕብባርብ ምሕዝነትን ዝሓዘ ሰነድ ስምምዕነት ኣብ ማሕበራዊ፣ ኢኮኖሚያዊ፣ ፖለቲካዊን ወታደራዊን ዓውዲታት ሰፋሕቲ ኣድማሳት ምትሕብባር ዘካተተ ኢዩ ኢሉ።

እቲ ስምምዕነት ናይ ዘበናት ጭንቀትን ቁዘማን ኢትዮጵያውያን ንምሕካም ዘኽእል ኣጋጣሚ ዝፈጠረ ከምዝኾነ እውን ኣመልኪቱ፡፡

“እዚ ኣብ ዘበናት ሓደ ግዘ ዘጋጥም ናይ ታሪኽ ምዕራፍ ብምዃኑ ነቲ ኣጋጣሚ ብምጥቃም ሃገርና ብሓባር ነድሕን” ክብል ፀዊዑ፡፡

ሙሉእ ትሕዝቶ ናይቲ መግለፂ ከምዚ ዝስዕብ ቀሪቡ ኣሎ፡-

ኣብ ሞንጎ ፌዴሪኢን ሶማሊላንድ ኩለመዳይ ምትሕብባርን ምሕዝነትን ሰነድ ስምምዕነት ተፈሪሙ፡፡

እቲ ስምምዕነት ኣብ ማሕበራዊ፣ ኢኮኖሚያዊ ፣ ፖለቲካዊን ወታደራዊን ዓውዲታት ሰፋሕቲ ኣድማሳት ምትሕብባር ዘካተተ ኢዩ።

ሶማሊላንድ ናይ ኣፍሪካ ምቅርማት ስዒቡ ኣብ ትሕቲ ባዕዳዊ መግዛእቲ እንግሊዝ ዝፀንሐት እንትትከውን፤ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 26 ሰነ 1960 ናፅነታ ረኺባ። ኣብቲ እዋን ብዙሓት ሃገራት ሃገራት ኣፍልጦ ሂበንኣ ከምዝነበራ እውን ይዝከር ኢዩ።

ይኹን እምበር ኣብቲ ዓመት ድሕሪ ሓሙሽተ መዓልቲታት ኣብ ትሕቲ ባዕዳዊ መግዛእቲ ጣሊያን ፀኒሓ ናፃ ምስ ዝወፅአት ሞቃድሾ ብፍቓዳ ተፀምቢራ ኢያ።

ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 1991 ዳግም ናፅነታ ኣዊጃ ብተኸታታሊ ሰላማዊ መረፃ ዝተረጋገአ ምቅይያር መንግስቲ ብምክያድ ን30 ዓመታት ዴሞክራሲ እናለማመደት ትርከብ። ሃገርና ሓዊሱ ዝተወሰና ሃገራት ኣብ ሃርጌሳ ቤት ፅሕፈት ቆንስላ ከፊተን እውን እናተንቀሳቐሳ ይርከባ።

ይኹን እምበር ክሳብ ሕዚ ዝተማለአ ኣፍልጦ ኣይረኸበትን። እዚ ኮይኑ እናሃለወ ግልጋሎት ወደብን ልምዓትን ሓዊሱ ምስ ሓደ ሓደ ሃገራት ስምምዕነት ፈሪማ ኢያ።

ቅድሚ ሕዚ ኣብ በርበራ ንኢትዮጵያ 19 ሚኢታዊ ብፅሒት ንኽህልዋ ይፈቅድ ዝነበረ ሰነድ ስምምዕነት ተፈሪሙ ከምዝነበረ እውን ይዝከር። ኣብዚ ሕዚ እዋን ካልኦት ሃገራት ተመሳሳሊ ከይዲ እናተኸተላ ከምዝኾና እውን ይፍለጥ። እዚ እንትኸውን ዝተሰምዐ ጠውሻሕታን ቅርታን አይነበረን።

ኢትዮጵያ ግልጋሎት ወታደራዊ ቤዝን ኮሜርሻል ማሪታይምን ብሂብካ ምቕባልን ብኽራይን ንምርካብ ዝተፈራረመቶ ሰነድ ስምምዕነትን ከይዱን እውን ካብ መሰረቱ ሓደን ያውን ኢዩ።

ኣብ ሞንጎ ሃገርናን ሶማሊላንድን ዝፀንሐ ስምምዕነት ምትሕብባር ነይሩ ኢዩ። ክልቲኦም ወገናት ምሕዝነቶም ብዝበለፀ ንምጥንኻር ኣብ ዝገበረኦ ፃዕሪ ዝተረኸበ እዚ ናይ ሕዚ ንኩሉ ዝሓቁፍ ምትሕብባርን ምሕዝነትን ሰነድ ናይ ክልቲኦም ወገናት ታሪኻዊ ዝበሃሉ ሕቶታት ብዝመስል፣ ዝርዝር፣ ግልፂን ስትራቴጂክ ምሕዝነትን ብዘላቕነት ንምህናፅ ዘኽእል ኢዩ።

ብወገን ሶማሊላንድ ዝኾነ ይኹን ሃገር እናደለየ ክውግኖም ዘይኽእሉ ሕቶታተን ዝምልስ እንትኸውን÷ ካብ ዝኾነት ትኹን ሃገር ክረኽበኦ ዘይኽእላ ሓገዝን ሽርክናን ዘጎናፅፍ ኢዩ።

ጠለባት ሃገርና ብዝምልከት ኣብ ጉዳያት ወፃኢ ፖሊሲና ብግልፂ ሰፊሩ ከምዝርከብ ንጎረባብቲ ሃገራት ቅድሚያ ንህብ። በዚ ድማ ፀገመን ተኻፊልና ንመፍትሒኡ ሓቢርና ምስራሕ፣ ፀጋታትና ብሓባር ብምልማዕን ብምክፋልን ተሓባቢርካ ንምዕባይ ዘለና ራኢን ሃንቀውታን ብተግባር ንምትርጓም ዘኽእል ኢዩ። ህልውናናን ሃገራዊ ረብሓታትናን ብዘተኣማምን ንምሕላውን ንምስጓምን ዘኽእል ዕድል እውን ዝፈጥር ኢዩ።

ሃገርና ብነዊሕ፣ ማእኸላይን ቀረባ ዘበንን ታሪኻ ወናኒት በሪ ባሕሪ ነይራ። ካብ ቀረባን ርሑቕን ብዝተሸረበ ተኸታታሊ ሸፈጥ ተደፊኣ እውን እንተኾነ በሪ ባሕራ ስኢናነይራ። ደሓር ድማ ዳግም ወናኒት በሪ ባሕሪ ክትከውን ክኢላ ነይራ። ኣብ መወዳእታ ድማ ንሰለስተ ዓሰርተ ዓመታት ብዝዘለቐን ብውሽጣዊ ቅልውላውን ብናይ ደገ ሽርሒን ብዝተሓገዘ ሕድሕዳዊ ኲናት ተኻይዱ።

ኣብ ምዝዛም እቲ ሕድሕዳዊ ኲናት ድማ ኣብ ቅድሚ ሕጊን ታሪኽን ብዝተፈፀመ ስሕተት ባሕሪ በሪ ኣልባ ኮይና ንዝሓለፉ 30 ዓመታት ክትዘልቕ ክኢላ። እዚ ናይ ታሪኽ ስብራትን ነስሓ ትውልዲን ንምእራም ኣብ ዝሓለፉ ሓሙሽተ ዓመታት ናይ ለውጢ መንግስቲ ካብ ኲናት ብዝረሓቐን ብመምርሒ ሂብካ ምቅባልን ንዕቤትን ቁመናን ሃገርና ዝምጥን ዘላቒን ዘተኣማምንን ኣማራፂታት ወደብን በሪ ባሕሪን ንምስፋሕ እናስተንተነን እናፈተነን ፀኒሑ ኢዩ።

ኣብ መፈለሚ እዚ ዓመት እዚ ሓሳብ ደንፊዑ ንኢትዮጵያውያንን ንዓለም ለኸ ማሕበረሰብን ዕላዊ ቅዋም መንግስቲ ምዃኑ ተበሲሩ። መንግስቲ ዕላዊ ኣብ ዝገበሮ እዚ ቅዋም ምስ ዝኾነት ትኹን ሃገር ናብ ኲናት ከምዘይእቶን ንኹሉ ወገን ተጠቃሚ ዝገብሩ ኣማራፂታት ምህላዎም ከምዝኣምን፣ ኢትዮጵያ እውን ዘለዉዋ ፀጋታት ንምክፋል ድልውቲ ምዃና እናገለፀ ፀኒሑ።

ብመደረት እዚ እዚ ክህቡ ንዝኸኣሉን ንዝደለዩን ኩሎም ቅዋምና ንምርዳእ ፃዕሪ እናገበርና ንርከብ።

ምስ ሶማሊላንድ ኣብ ጉዳያት ሓበራዊ ተረባሕነት ንኣዋርሕ ብብስለትን ስኽነትን ምኽክርን ድርድርን እናተኻየደ ፀኒሑ ኢዩ። ሕዚ ድማ ንክልቲአን ተጠቃሚ ብዝገብር ኣግባብ ሰነድ ስምምዕነት ተፈሪሙ ኣሎ።

እዚ ሰነድ ንኢትዮጵያ ኣብ ወሽመት ባሕሪ ኤደን ዘላቒን ዘተኣማምንን ግልጋሎት ቤዝ ሓይሊ ባሕሪን ኮሜርሻል ማሪታይምን ብሊዝ ትረኽበሉ ዕድል ዘርክብ እንትኸውን መንግስቲ ኣቐዲሙ ዕላዊ ብዝገበሮ ቅዋሙ መሰረት ንሶማሊላንድ ካብ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ካብቲ ሊዝ ዝሕሰብ ብፅሒት ክህልዋ ዘኽእል ኢዩ።

ካብዚ ሓሊፉ ድማ ኣብ ከይዲ ሶማሊላንድ ኣፍልጦ ንምርካብ ኣብ ትገብሮ ፃዕሪ ብዝምልከት መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዕምቆት ሪኡ ቅዋም ዝወስደሉ ኣግባብ ዘካትት ኢዩ።

እቲ ስምምዕነት ናይ ዘበናት ነስሓን ቁዛመን ኢትዮጵያውያን ንምሕካም ዘኽእል ኣጋጣሚ ዝፈጠረ። ብምዃኑ ድማ ንኩሉ ኢትዮጵያዊ ዘሕጉስ ታሪኻዊ ክስተት ኢዩ። ኩሎም ኢትዮጵያውያንን ፈተውቲ ኢትዮጵያን ከምኡ እውን ሰላም እቲ ዞባ ዘተሓሳስቦም ኣባላት ዓለም ለኸ ማሕበረሰብ ኩሎም ክሕጎሱ ይግባእ።

በዚ ስምምዕነት ዝጉዳእ ኣካል ይኹን ሃገር የለን። ዝተጠሓሰ ሕጊን ዝተሰበረ እምነትን እውን የለን። እቲ ሓቂ እዚ ይኹን እምበር ማንም ከምዝግምቶ በዚ እወንታዊ ድምዳመ ዝኸፍኦ፣ ዝድንግፅን እቲ ኩነታት ንምህዋኽን ዝንንቀሳቐስ ኣካል ኣይህሉን ኣይበሃልን።

ብምዃኑ ብፍላይ ኢትዮጵያውያን ብርግፅ ሃገርና ብመልክዓን ቁመናኣን ዝምጥን ኣብ ኣደባባይ እቲ ዞባ፣ ኣብ ኣህጉርናን ዓለምን ግቡእ ቦታ እንትትረክብ፣ ሃናፂ ግደኣ እንትትዋፃእ፣ ረብሓታታ እንትተኽብር ጥራሕ ብሓባር ከምንኽበር ምእማንን ነዚ ድማ ኣፈላላያት ካብ ዝኾነ ይኹን እዋን ንላዕሊ ብምጥዕዓም ተተሓሒዝና ክብ ንኽንብል ነዚ ኣጋጣሚ ክንጥቀመሉ መንግስቲ ፌዴሪኢ ፃውዒቱ ቕርብ።

እዚ ኣብ ዘበናት ሓደ ግዘ ዘጋጥም ናይ ታሪኽ ምዕራፍ ብምዃኑ ነቲ ኣጋጣሚ ብምጥቃም ሃገርና ብሓባር ነድሕን!!

ድሕሪ ዘበናት ብታሪኽ ዘይንውቀስ ንኽንከውን ንርከበሉ ምዕራፍ ካብ ምፅርራፍን ምዝንጥጣልን ብምንጋፍ መበሰሪ ብራኸ ኢትዮጵያች ንምግባር ብሓድነት ሓቢርና ንትጋህ!!

ኣዲስ ኣበባ

ግልጋሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ

2016 ዓ.ም

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.