Fana: At a Speed of Life!

ኩሎም ኢትዮጵያውያን ኣብ ጉዳይ ባሕሪ ናይ ባዕሎም ኣስተዋፅኦ ክገብሩ ይግባእ ተባሂሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ታሕሳስ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኩሉ ኢትዮጵያዊ ዜጋ ካብ ኣፈላላይ ፖለቲካዊ ኣመለኻኽታ ብምውፃእ ብዛዕበ ጉዳይ በሪ ባሕሪ ናይ ባዕሉ ኣስተዋፅኦ ክገብር ከምዝግባእ ሚኒትር ማይን ኢነርጂን ሃብታሙ ኢተፋ (ዶ/ር ኢ/ር) ገሊፆም፡፡

ላዕለዎት ኣመራርሓን ሰብ ሞያን ሚኒስቴር ማይን ኢነርጂን ተፀዋዕቲ ትካላትን ኢትዮጵያ በሪ ባሕሪ ምርካባ ኣመልኪቶም ዝተሰመዖም ሓጎስ ገሊፆም፡፡

ኣብቲ ፕሮግራም ዝተረኸቡ እቶም ሚኒስትር፥ ኢትዮጵያ ኣብ ታሪኻ በሪ ባሕሪ ብምጥቃም ምስ ማሕበረሰብ ዓለም ትገብሮም ንግዲን ካልኦት ርክባትን ከምዝነበሩ ኣዘኻኺም፡፡

ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ብዘጋጠሙ ፖለቲካዊ ፀገማት ኢትዮጵያ ካብ ማያዊ ኣካላት ንኽትርሕቕ ተገይሩ ኢዩ ዝበሉ እቶም ሚኒስትር÷ ኣብዚ ሕዚ እዋን ምስ ሶማሌ ላንድ ኣዚዩ ሰላማዊ ብዝኾነ መገዲን ብስለት ብዝተመልኦን ጥበብ ኣመራርሓ ናብ በሪ ባሕሪ ክንፅጋዕ ምኽኣልና ዓብዪ ኩርዓት ኢዩ ኢሎም፡፡

ብምዃኑ ዝኾነ ይኹን ኢትዮጵዊ ካብ ኣፈላላይ ፖለቲካዊ ኣመለኻኽታታት ብምውፃእ ኣብ ጉዳይ በሪ ባሕሪ ናይ ባዕሉ ኣስተዋፅኦ ክገብር ከምዝግባእ ምግላፆም ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.